Sunday, June 16, 2013

ኩሉ ተፈቂዱለይ እዩ፡ ግናኸ ኩሉ ኣይጠቅምን እዩ:: 1 ቆሮ 6፡12



በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!!!
<<ኩሉ ተፈቂዱለይ እዩ፡ ግናኸ ኩሉ ኣይጠቅምን እዩ>> (1 ቆሮ 6፡12)
(Click to in PDF)ብኣርብዓን ብሰማንያን ውሉድነት ሥላሴ ዝተቀበልኩም ደቂ ቅድስትን ጽንዕትን ዝኾነት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ እምነት፡ ናይ ኣዴና ቅድስት ቅዱሳን ድንግል ማርያም ናይ ቃል ኪዳን ደቃ ዝኾንኩም፡ ሰላም እግዚኣብሔር ንዓኹም ይኹን። ከም ፍቓድ እግዚኣብሔር ነዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቂሱ ዘሎ ሓይለ ቃል መሰረት ብምግባር፡ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሰብአ ቆሮንጦስ ኣብ 1ይ መልእኽቱ ዝጸሓፎ ሓይለ ቃል ወሲድና፡ ካብኡ በረኸት ካብኡ ድማ ዘልአለማዊ ህይወት ንኽንረክብ ቅዱስ ፍቃድ ናይ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ይኹነልና።
ከተማ ቆሮንጦስ ኣብ ግሪኽ እትርከብ ኮይና ካብ ከተማ ኣቴንስ 78 ኪ.ሜ. ርሒቃ ትርከብ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሰማየ ሰማያት ወሪዱ ኣብ ቅድስት ቅዱሳን ኣዴና ድንግል ማርያም ሓዲሩ ንድሕነት ደቂ ሰባት፡ ሰብ ኣብ ዝኾነሉ እዋን፡ ከተማ ቆሮንጦስ 6,000 ተቀማጦ ህዝቢ ነበራ።