Monday, April 23, 2012

ሰበካ ትንሣኤ ኣዋልዲኃ ለጽዮን


በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!

ሰበካ ትንሣኤ ኣዋልዲኃ ለጽዮን

ቅዱሳን ኣንስቲ ንጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ረኣይኦ መጺኤን ንደቂ መዛሙርቲ ነገርኦም። ንሶም ግና ንኣይሁድ ፈሪሖም ኣብ ዝተዓጽወ ገዛ ውሽጢ ተኣኪቦም ከለዉ በሪ መስኮት ናሕሲ ኮነ መንደቅ ከይተከፍተ ብኣምላኻዊ ሥልጣን  ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ  ክርስቶስ  ኣብ  ማእከሎም  ደው በለ።  <<ሰላም  ንዓኻትኩም  ይኹን።>> ኢሉ ፣ዘመነ ፍዳ ዘመነ ኩነኔ ኣብቒዑ፣  ዘመነ  ሰላም  ምዃኑ  ኣበሲርዎም።  ደቀ መዛሙርቱ   ግና   ብምትሐት   ርኹስ መንፈስ ዝተራኣይዎም መሲልዎም ብልቦም  ተጠራጠሩ።  ኣብቲ  ግዜ  << ንሳቶም ድማ መንፈስ ዝረኣዩ መሲልዎም ፈሪሆም  ሰምበዱ።  ንሱ  ከኣ  እንታይ ኴንኩም   ኢኹም   እትስንብዱ   ከምዚ ዝበል    ሓሳብከ    ስለምንታይ    ኣብ ልብኹም ይለዓል፣ ኣነ ባዕለይ ምዃነይ ኣእዳወይን  ኣእጋረይን  ዝተወግአ  ጎነይ ዳህሲስኩም  ርኣዩ። ከምዚ ንዓይ ዘሎኒ እትርእይዎ ዘሎኹም ምትሐት (ንርኹስ መንፈስሥጋን  ዓጽምን  የብሉን  እሞ ኣረምሲስኩም ርኣዩኒ በሎም። እዚ ኢሉ ኣእዳውን ኣኣጋሩን ኣርኣዮም ንሳቶም ከኣ ተገሪሞም  ብሓጐሶም  ምኽንያት  ገና ምእማን ስለ ዝሰኣኑ ንሱ ገለ ዚብላዕዶ ኣብዚ ኣለኩም በሎም ንሳቶም ከኣ ምቃል ጥቡስ ዓሳን ጐጎ መዓርን ሃብዎ ተቐቢሉ  ኣብ  ቅድሚኦም  በልዔ።  >> ሉቃ.2436-43    ኣብቲ    እዋን'ውን ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ዝነሥኦ   ሥጋ   ድሕሪ   ትንሣኤኡውን ፍጹም ከምተዋህደ ንርዳእ


ቅዱስ ዳዊት << ንነፍሰይ ኣብ ሲኦል ኣይትሓድጋን ቅዱስካውን ጥፍኣት ኪርኢ ኣይትፈቅድን ኢኻ እሞ ስለዚ ልበይ ይሕጐስ ክብረይ እልል ይብል፣ ሥጋይውን ኣብ ጽኑዕ ኪሓድር እዩ። >>   ዝብል ቃል ተፈጸመ። መዝ.169-10

ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ቀሪቡ << ኣብ ሰማይን  ኣብ ምድርን ኲሉ ሥልጣን ተዋሂቡኒ ኣሎ >> ማቴ. 28-18 ኢልዎም።

<<  ሰማይን ምድርን ዘሕልፈሉ ሥልጣን ተዋህበኒ።>> ማለቱ እዩ። ከምዚ ማለቱ ቀዲሙ ዘይነበረ ሕጂ ብትንሣኤ ዝተረኽበ ማለት ኣይኮነን። ምኽንያቱ ቅድሚ ተዋህዶ ሥልጣን ዘይነብሮ ሥጋ ብምሥጢር ተዋህዶ ካብ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ካብ ሥጋኣ ሥጋ ካብ ነፍሳ ነፍሲ ወሲዱ ኣምላኽ ሰብ ሰብ ኣምላኽ ምስ ኰነ እዚ ሥልጣን ረኺቡ። ምኽንያቱ ወልደ አብ ወልድ ማርያም ኢየሱስ ክርስቶስ ብተዋህዶ ካብ ክልተ ኣካላት ሓደ ኣካል ካብ ክልተ ባህርይ ሓደ ባህርይ ኰይኑ እዩ። ኮይኑ ግና ብፍቓዱ ኣብ መልዕልተ መስቀል ተፈላልዮም ዝነብሩ ቅድስቲ ነፍሱን ቅድስቲ ሥጋኡን ዳግማይ ተዋሂዱ ብሥልጣኑ ንሞት ሲዒሩ ሙስና መቓብርን ኣጥፊኡ  ምትሥኡ ከመልክት << ሥልጣን ተዋሂቡኒ>> ኢሉ። ምስኡ ኣትሕዝ ኣቢሉ'ውን << ስለዚ ኪዱ ንኹሎም ኣህዛብ ብስም አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ እንዳጥመቕኩም ዝኣዘዝኩኹም ኩሉ ኺሕልው ከኣ እናመሃርኩ ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም። እንሆ ድማ ኣነ ክሳዕ መወዳእታ ዓለም ኩሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ።>> ማቴ.28-20  እዚ ከኣ ንዕዖም ዝሃቦም ሥልጣን ክህነትን ጸጋን ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ብኣንብሮተ እድ እንዳተመሓላለፈ ስጋብ ዓለም ፍጻሜ ብዝትሥኡ ኣቦታት ካህናት ከምዝስራሕ ክነግሮም ከሎ እዩ። ነፍሲ ወከፍ ከምዝተዋህቦም ጸጋ መጠን ኣብ ኩሉ ይሰርሕ። << ኩሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ።>> ዝበለ ኣምላኽ'ውን ብጸጋ ተዋሂድዎም ኩሉ ግዜ ምስኦም ይነብር። ማለቱ እዩ።

ብምግባር በቂዕና፣ ሃይማኖትና ሓሊና፣ ንመከራ ተዓጊስና ፣ንመንግሥተ ሰማይ ዘብቅዕ ስራሕ ክንሰርሕ ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ይሓግዘና። በረከቱን ረዲኤቱን የብዝሓልና። ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ብኣማላድነታ ኣይትፈለየና።

ወስብሓት እግዚአብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር።

No comments:

Post a Comment