Monday, April 23, 2012

ዳግማይ ትንሣኤ


እንቋዕ ናብ ዳግማይ ትንሣኤ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብጽሓና!




ምስባክ

ወተንሥአ እግዚአብሔር ከምዘንቃህ እምንዋም ወከመ ኃይል ወኅዳገ ወይን ወቀተለ ጸሮ በድህሬሁ

ሽዑ እግዚአብሔር ከም ደቂሱ ዝነበረ ። ከምቲ ብወይኒ ሰኺሩ ዝጭድር ጅግና ኮይኑ ተንሥአ፣ ንጸላእቱ ድማ ኣብ ድሕሪኦም ወቅዖም።
መዝ፸፯፡፹፭-፹፮ (7885-86)

ዮሓ.201-19 ግ.ሓዋ.222-26 1ይቆሮ.15-1-20 1ይጴጥ.11-13
ወንጌል ማቴ. 281-ፍጻሜ      ማር.161-ፍጻሜ        ሉቃ.241-16

ቅዳሴ ዲዮስቆሮስ ( እምቅድመ ዓለም)

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!

ዳግማይ ትንሣኤ



ኣብዚ ዕለት  ሰንበት ትንሣኤ  ከምዝተጠቅሰ ኣብቲ ዕለት ትንሣኤ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንቅዱሳን ሓዋርያት ብዕጽው ማዕጾ ኣትዩ << ሰላም ንዓኻትኩም ይኹን >> ኢሉ ትንሣኤኡ ክገልጸሎም ከሎ ሓዋርያ ቶማስ ምስኦም ኣይነበረን። ድሕሪኡ ካብቲ ከይድዎ ዝነበረ ምስ ተመልሰ። ትንሣኤ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ብደስታን ሓጐስን ምስ ነገርዎ።


<<  ዳሕራይ ንስኹም ሪኢና ኢልኩም ክትምስክሩን ከተምህሩን ኣነ ግና ሰሚዐ ኢሉ ክምስክርን ከምህርን፣ ኣይከውንን ኣነ'ውን እንተዘይረኣኹ ኣይኣምንን።>> ብምባሉ። ናይ ኩሉ ሰብን ናይ ዝመረጾም ፈተውቱ ናይ ልቢ ሓሳብ ምስ ምኽንያቱ ፈልዩ ዝፈልጥ፣ ለውሃቱ ሙሉእ ዝኾነ ናይ ባህርይ ኣምላኽ መድኃኔ ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ ልክዕ ከም ናይ መጀመርታ ዕለተ ትንሣኤ አበው ሓዋርያት ብሓንሳብ ከለዉ ብዕጽው ማዕጾ በሩ ከይተኸፍተ ኣትዩ <<  ሰላም ንዓኻትኩም ይኹን።>> ብምባል ኣብ ማእከሎም ቆመ። ንቶማስ'ውን ኣማኒ እምበር ተጠራጣሪ ኣይትኹን ብምባል እቲ ዝተሸንከሮ ኢዱን እግሩን፣ ዝተወግኦ ጎኑ ንዓ ርኣይ ኢሉ ኣርእይዎ። እሱ'ውን ምልክቱ ብምርኣይን ብኢዱ ዳህሲሱውን ትንሣኤኡን ኣምላኽነቱን ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ  ከምቲ ዝደለየ ብዓይኑ ብምርኣይ ተረዲኡ   <<  ጐይታይን ኣምላኸይን >> ኢሉ መስኪሩ።



ስለዚ እዚ ናይ ትንሣኤ ምሥጢር ካልኣይ ግዜ ንሓዋርያት ዝተገልጸሎም ዕለት ስለዝኾነ <<  ዳግማይ ትንሣኤ >> ተባሂሉ እዚ ዕለት ሰንበት ይጽዋዕን ይኽበርን። ዮሓ.2024-30
ኣብ ቅድስቲ ቤተክርስቲያና ከኣ ኣብዚ ዕለት ኩሉ መንፈሳዊ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ከም ዕለተ ትንሣኤ ኮይኑ እዩ ዝፍጸም።


ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ሳህሉን ምሕረቱን ናይ  ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣማላድነት ናይ ቅዱሳን ጻድቃን ሰማእታት ተራዳኢነት ኣይፈለየና።

(For those who do not have Geez, please visit this link) DAGMAY TINSAE

ወስብሓት እግዚአብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር።

No comments:

Post a Comment