Monday, April 9, 2012

ቅድስቲ መሪና


በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን!

 ቅድስቲ መሪና ካብ ሃብታም ቤተስዝተወልደት እያ። ናይ መጀመርታ ስማ ማርያም እዩ። ኣዲኣ ገና ህጻን እንከላ እያ ብሞት ዝተፈለየታ። ድሕሪኡ አቡአ ንዓቕሚ ሄዋን ስጋብ ትበጽሕ ብጽቡቅ ሥን ምግባርን ፈሪሃ እግዚአብሔር እንዳምሃረ ኣዕቢይዋ። ብኹለንተና ዓቕሚ ሄዋን ምስ በጽሐትሉ፣ ንዓኣ ኣመሪዕዋ እሱ ናብ ገዳም ከይዱ ምስ መንኰሳት ክነብር ከምዝደሊ ምስ ነገራ ብጣዕሚ ኣምሪራ ነብዔት። << ኣቦይ ናትካ ነፍሲ ኣድሒንካ ናተይ ነፍሲ ምጥፋእ ከመይ ይኾነልካ?>> ኢላቶ ኣቦኣ'ውን ኣነ ዝኸዶ ናብ ናይ ደቂ ተባዕትዮ መንኰሳት ገዳም እዩ ንስኺ ከኣ ጓል ኣንስተይቲ ኢኺ ኣየእትውኹን እዮም ምስበላ። ከም ወዲ ስረ ጌረ ጸጉረይ ተቆሪጸ ንወዲ ተባዕታይ መሲለ ምሳኻ ይኸይድ ኢላቶ። ዘለዎም ኩሉ ንብረት ሸይጦም ንድኻ ብምምጽዋት ስማውን ካብ ማርያም ናብ መሪና ቀይሩ፣ ተታሒዞም ናብ ገዳም ኣተዉ።

ኣብቲ ገዳም'ውን ብዓቢ ገድሊ እንዳተጋደሉ ነበሩ። ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት ጽኑዕ ተጋድሎ ኣቡአ ብጣዕሚ ይሓሙ እሞ ናይቲ ገዳም ኣበምኔት ጸዊዖም ንወደይ ሓደራ ብዝኾነ መገዲ ካብ ገዳም ከይወጻኒ ኢሎም ንኣበምኔት ሓደራ ብምባል ይዓርፉ። ቅድስቲ መሪና'ውን ተጋድሎኣ ካብ ቅድም ብዝበለጸ ኣብዚሓ ክትተግህ ጀሚራ። ድሕሪ ነዊሕ እዋን ናይቲ ገዳም መንኰሳት እዚ መንኩሴ ስለምንታይ እዩ ምሳና ካብ ገዳም ወጻኢ ንተልእኾ ዘይወጽእ እንዳበሉ ነቲ ናይቲ ገዳም አበምኔት ምስ ኣጨንቅዎ እቲ ኣበምኔት ምስቶም መንኰሳት ንተልእኾ ንወጻኢ ክሰዳ ጀሚሩ እቶም ንተልእኾ ዝወጹ መነኰሳት ኩሉ ግዜ መግቦም ዝእክበሎም ናይ ሓደ ምእመን ገዛ ነበረ። ኩሉ ግዜ ክኸዱ ከለዉ መግቢ ትህቦም ናይቲ ምእመን ሓንቲ ጓል ነበረቶ።


ኣብታ ዕለት ከኣ ብኣጋጣሚ ሓደ ካብ መንእሰይ ናይ ንጉሥ ሠራዊት ኣብኡ ኣዕሪፉ ነበረ ነታ ጓልኣንስተይቲ ምስ ረኣያውን እቲ መንእሰይ ተሓቢኡ ናብቲ ገዛ ብምእታው ድንግልና የፍርሰላሞ፣ ዳሕራይ ኣቦኺ መን እዩ ከምዚ ጌሩኪ ኢሉ እንተሓቲቱኪ አባመሪና እዩ በሊ ይብላ። ድሕሪ ግዜ እታ ጓል ትጠንስት እሞ ፣ኣቡኣ ካብ መን ከምዝጸነሰት ምስ ሓተታ ካብ መነኩሴ አባመሪና እየ ጸኒሰ ትብሎ። ድሕሪ' ኣቡአ ኣዝዩ ስለዝሓረቐ ናብቲ ገዳም ከይዱ፣ ንኹሎም መነኰሳት ክረግሞም ይጅምር፣ ድሕሪኡ እቲ ኣበምኔት ይመጽእ እሞ፣ እንታይ ኢኻ ኮንካ ምስበሎ ? ንጓለይ ናትካ መነኩሴ ደፊርዋ ምስ በሎ እሞ ድኣ ብናይ ሓደ ሰብ በደልን ጥፍኣትን ነዚኦም ኩሎም ቅዱሳን ትረግም ብምባል ንአባ መሪና የጸውዓ መጺኣ ኣቤት ኣቦይ ምሰ በለት ኩሎም ክጸርፍዋ ይጅምሩ፣ ንምንታይ ይጸርፍዋ ከምዘለዎ ዋላ እንተዘይፈለጠት ጸላኢ ሠናያት ዲያብሎስ ዝሰርሖ ነገር ከምዘሎ ፈሊጣ ትም በለት ዳሕራት እቲ ነገር ምስ ነገርዋ እቲ ኣበምኔት << አባ መሪና እዚ ናይ መንኮሳት ስራሕ ኣይኮነን ናይ ዓለማውያን ባህሪ ኣይኮነን ናይ ሰይጣን እምበር ንምንታይ ከምዚ ጌርካ ?>> ኢሉ ምስ ሓቶቶ። አባ ይቕረ በሉለይ ንእስነተይ ኣታሊሉኒ እዩ አባ ይቕረ በሉለይ ኢላ ኣብ ትሕቲ እግሪ አበምኔት ወደቀት። ዳሕራይ እቶም አበምኔት ካብቲ ገዳም ኣባረርዋ ካብቲ ገዳም ወጻኢ ኮይና ክትጋደል ጀሚራ እታ ጓልውን ምስወለደት ኣቡኣ ነቲ ዝተወልደ ህጻን ኣምጺኡ ንቅድስቲ መሪና ሂብዋ። ቅድስቲ መሪና'ውን ነቲ ህጻን ዝኸውን ጸባን መግቢን ካብቲ ኣብቲ ከባቢ ዝነብሩ ጓሶት እንዳለመነት ኣዕብያቶ።


ድሕሪ ሰለስተ ዓመት እቶም መንኮሳት ነቶም አበምኔተ ለምንዎም እንተኾነ ክብድ ዝበለ ቀኖና ይወሃቦም እሞ ናብ ገዳም ይመለሱ በልዎም። እቶም አበምኔትውን ልመናኦም ተቀቢሎም ክብድ ዝበለ ቀኖና ብምሃብ ምስወድአት ናብቲ ገዳም ኣእተውዋ። ኣብቲ ገዳም'ውን ኣዝዩ ዝኸበደ ስራሕ ከስርሓዋ ጀመሩ። ናይ ኩሎም መንኮሳት ገዛ ብምኹስታር ተጽሪ፣ ማይ ትወርድ፣ መግቢ ትሰርሕ፣ እቲ ጎሓፍ'ውን ካብቲ ገዳም ወጻኢ ኣርሒቓ ትድርብዮ። እቲ ዝተወልደ ቆልዓ ኣብቲ ገዳም ዓብዩ፣ ኣብቲ ገዳምውን ምንኩስና ወሰደ።ኣርብዓ ዓመት ምሰ መልኦ ቅድስቲ መሪና ድሕሪ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ሕማም ብሰላም ዓረፈት። ድሕሪ' ናይቲ ገዳም መንኮሳትተ ኣኪቦም ደወል ብምድዋል ተኣኪቦም ንኽገንዝዋ ድልዮም ክዳና ክቅይሩላ ምስ በሉ ጓልኣስተይቲ ኮይና ጸኒሓቶም፣ ብጣዕሚ ሓዚኖም ኣምሪሮም በኸዩ << እግዚኦ መሓረና ክርስቶስ>> እንዳበሉ ነቶም ነቲ አበምኔት ጸውዕዎ። እቶም አበምኔት'ውን በቲ ዝኾነ ኩሉ ሓዚኖም << እግዚኦ መሓረና ክርስቶስ>> እንዳበሉ ኣምሪሮም በኸዩ። ብዘይበደለቶ ዝሃባ ቀኖናን ዝተዛረባ ተግሳጽ እንዳዘከረ ብጣዕሚ ኣምሪሩ በኸየ። ሓደ ካብቶም መነኮሳት ሓንቲ ዓይኑ ዕወርቲ ነበረት ኣብቲ እዋን ገጹ ኣብ ጥቃ ኣስከሬን ቅድስቲ መሪና ምስ ኣቅረቦ ብተኣምረ እግዚአብሔር ብፍጥነት ዓይኑ ሓውያ ክርኢ በቅዐ። ድሕሪኡ ነቲ ኣቦ እታ ጓል እቲ ኣበምኔት ኣጸዊዑ እቲ ዝኾነ ኩሉ ነገሮ። ድሕሪኡ ነቲ ሬስኣ ተሰኪሞም ኣምላኽ ይቕረ በለልና። << እግዚኦ መሓረና ክርስቶስ>> እንዳበሉ ሙሉእ መዓልቲ ወዓሉ ኣጋምሸት ምስ ኮነ ናይ ቅድስቲ ማሪና ኣስከሬን << እግዚአብሔር ይቕረ ይበለልኩም።>> ምስ በሎም ኣውሪዶም ብዓቢ ክብሪ ካብ ሥጋኣ ተባሪኾም ቀበርዋ

ድሕር ምቅባራ እታ ዝሓሰወት ጓልን እቲ ዘጥነሳ ወዲን መንእሰይ ናይ ንጉሥ ሠራዊት ኣእሞሮኦም ጭንቀት ገርሎም ሰባት ኣዕርኽቶም ሒዞሞም መጺኦም ኣብ ቅድሚ መቓብር ቅድስቲ መሪና፣ ኣብ ቅድሚ ኩሉ ሰብ ኩሉ ዝገበርዎ ተናስሑ። ካብ መቃብራውን ብጣዕሚ ብዙሕ ዝኾነ ድንቂ ተኣምራት ተጌሩ። ንእግዚአብሔር ምስጋና ይኹኖ። ንዓናውን በዛ ቅድስቲ ጸሎት ይምሓረና። ኣምላድነት ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣይፈለየና። ናይ ቅድስቲ መሪና በረከት ኣይፈለየና ኣሜን።

ምንጪ. ስንክሳር ነሓሴ.15
                                      

(For those who do not have Geez, please check this link) KIDIST MARINA
                                      


                                       ወስብሐት ለእግዚአብሔር።
                                          ወለወላዲቱ ድንግል።
                                          ወለመስቀሉ ክቡር።

1 comment:

  1. hatyatna yighdefelna selam,n fikrin yewrdelna bezey fikri kolu kontu eyu goitanan medhaninan eyesus kirstos kemzibelo hamus tsighibo mishet nihawariat silez zigheberna entegheberna kulu tiezazat fikri entezeyeblina kulu kontu keykonena fikri yewrdelna aghaezte alem selasie amen

    ReplyDelete