Saturday, April 14, 2012

በኩረ ትንሣኤ


እንኳዕ ናብ ብርሃነ ትንሣኤ ብሰላም ኣብጽሓና

ወተንሥአ እግዚአብሔር ከምዘንቃህ እምንዋም ወከመ ኃይል ወኅዳገ ወይን ወቀተለ ጸሮ በድህሬሁ      መዝ. ፸፯፡፹፭-፹፮ (7885-86)
ዮሓ.201-19 .ሓዋ.222-26 1ይቆሮ.15-1-20 1ይጴጥ.11-13
ቅዳሴ ዲዮስቆሮስ ( እምቅድመ ዓለም)
ወንጌል ማቴ. 281-ፍጻሜ ማር.161-ፍጻሜ ሉቃ.241-16


በኩረ ትንሣኤ

ይትፌሳህ ሰማይ ወትትሐሰይ ምድር ዛቲ ዕለት እንተ ገብረ እግዚአብሔር ንትፈሳህ ወትሐሰይ ባቲ
እግዚኦ ኣድኅንሶ (መዝ.፻፲፯፡፳፬\ (118-24)
ዎ እግዚኣብሔር ዝገበራ መዓልቲ እዚኣ እያ፡ ብእኣ ንተሐጐስን ባህ ይበለናን። ዎ እግዚኣብሔር ኣድሕን ኰታ።

በኩረ ትንሣኤ

ትንሣኤ ዝብል ቃል ካብ ተንሥአ ዝብል ናይ ግእዝ ቃል ዝተረኽበ እዩ። ትርጉሙ ከኣ ምትንሣእ ማለት እዩ። ብናይ ቤተክርስቲያና ትምህርቲ ትንሣኤ ናይ ሙታን ምትንሣኣ ብሞት ተፈላልዮም ዝነብሩ  ነፍስን ሥጋን ምርኻብ፣ ምጽኣተ ጎይትና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስን ካልኦት ትርጉማትን የመልክት። በኩረ ዝብል ቃል ድማ ናይ ግእዝ ቃል ኮይኑ ቦኽሪ ወይ መጀመርያ ቀዳሚ ምዃኑ ዘርእይ እዩ።


እግዚአብሔር ኣምላክ ንዓለም ካብ ዝፈጠረሉ ጥበብ ንላዕሊ ንዓለም ዘድኃነሉ ጥበብ ይበልጽ። ናይ ድኅነት ስርሑ፣ ናይ ጥንቲ ጸላኢና ዲያብሎስ ዝተሰዓረሉ ሞትን መቃብርን ኣጥፊኡ ሰለስተ መዓልትን ሰለስተ ለይትን ኣብ ከርሰ መቃብር ብምሕዳር መቃብር ክፈቱለይ መግነዝ ፍትሑለይ ከይበለ ምትንሥኡ እዩ። 1ይቆሮ.1554 ኢሳ.258

ኩሉ ዓለም ካብቲ ዝነብሮ ባርነት ነጻ ክወጽእ ካብ ጸልማት ብርሃን ክርኢ ካብ ማእሰርቲ ናይ ዲያብሎስ ክፍታሕ፣ ካብ ናይ ዘልዓለማዊ ሞት ክድሕን ብተስፋናይ ጎይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ይጽበ ኔሩ። ጎይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ ንተስፋኡ ዘይድንጉይ ኣምላኽ ስለዝኾነ በታ ዝመደባ መዓልቲ በኩረ ትንሣኤ ኮይኑ ንደቂ ሰባት ካብ ናይ ዘልኣለማዊ ሞት ኣድኂኑና።



ናይ ጎይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ትንሣኤ ናይ ኣዳም ተስፋ ዝተፈጸመሉ ፣ትንቢተ ነብያት ዝተፈጸመሉ፣ ናይ ኣምላኽና ሓይሊ ዝተገልጸሉ እዩ፣ ናይ ትንሣኤና ቦኽሪ ጎይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ብትንሣኤኡ ዝሃበና ህያባት ብዙሓት እዮም።

  •  ኣዳም ናብ ናይ ቀደም ክብሩ ተመሊሱ።
  •  ትንሣኤና ዳግማይ ሞት ዘይብሉ እዩ።
  •  ጎይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ትንሣኤና ቦኽሪ ምዃኑ ክምስክር << ኣነ መገዲ ሓቅን ህይወትን እየ።>> ኢሉ እዩ።ዮሓ.14
  •  ጎይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ በኩረ ትንሣኤ ጥራሕ ዘይኮነ << ኢየሱስ ከኣ ትንሣኤን ሂወትን ኣነ እየ እቲ ብኣይ ዝኣምንስ እንተ ሞተ እኳ ብሂወት ኪነብር እዩ።>> ዮሓ.1125-26


ትንሣኤ ሙታን ዘይምእማን (ትንሣኤ ሙታን የለን ማለት እዩ) ክርስቶስ ኣይተንሰኣን ማለት እዩ። ናይ ትንሣኤ ጸላኢ ኮይኑ ምስ ኣይሁድ ብምትሕብባር ንህዝበ ክርስቲያን ዘሳጉግ ዝነበረ ዳሕራይ ጎይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስተገልጸሉ ፍጹም ካብ ልቡ ንስሓ ኣትዩ ዝተመልሰ ሓዋርያ ዝተስየመ ምሩጽ ኣቅሓ ዝተባህለ፣ ብቃልን ብተግባርን ብስራሕ ኣብ ሂወቱ ወዲ መዝሙር ጎይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ በኩረ ምዃኑ ዘረጋገጸ ማኅቶተ ቤተክርስቲያ ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ ትንሣኤ ሙታን ክምስክር ከሎ <<እቲ ኣነ እተቀበልክዎ ቅድሚ ኩሉ ነጊረኩም እየ። ከምቲ እቶም ጽሑፋት  ዝብልዎ ክርስቶስ ምእንቲ ሓጥያትና ሞተ፣ ተቀብረ ከኣ ከምቲ እቶም ጽሑፋት ዝብልዎ ብሳልሰይቲ መዓልቲውን  ተንሥኤ።>> ይብል። 1ይቆረ.153-4 <<ክርስቶስ ካብ ምውታን ከም ዝተንሥኤ ካብ ዝስበኽ ደኣ ከመይ ኢሎም ሓያሎ ካባኻትኩም ትንሣኤ ሙታን የልቦን ዝብሉ ዘለዉ። ትንሣኤ ሙታን ዘየልቦ እንተ ኾይኑስ ክርስቶስ ድማ ኣይተንሥኤን፣ ክርስቶስ ዘይተንሥኤ ኮይኑስ እምበኣር ስብከትና ከንቱ እዩ። እምነትኩም ከንቱ እያ። እንድሕር ዘይተንሲኡ እምነትኩም ከንቱ እዩ።…>>1ይቆረ.1512-32   ብምባል ትንሣኤ ጎይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ እምነት መሠረት ምዃኑ ገሊጹ እዩ።

ንናይ ደቂ ሰባት ትንሣኤ መሰረትን ምስክርን ስለዝኾነ እዩ፣ ናይ ጎይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ትንሣኤ በኩረ ትንሣኤ ዝበልናዮ። ቅዱሳን መጽሓፍቲ'ውን ነዚ እዮም ብዛዕባ ጎይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ትንሣኤ ዝምስክሩ።

ጎይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ድሕሪ ትንሣኤኡ ንደቂ መዛሙርቱ እንዳተገልጸ ዘምሃሮም ትምህርቲ ጸሎተ ኪዳን <<ቅዱስ እግዚአብሔር ቅዱስ ኃያል ቅዱስ ህያው ዘኢይመውት ዘተወልደ እማርያም እም ቅድስት ድንግል ተሣሃለነ።  ቅዱስ እግዚአብሔር ቅዱስ ኃያል ቅዱስ ህያው ዘኢይመውት  ዘተጠምቀ በዮርዳኖስ ወተሰቅለ ዲበ ዕፀ መስቀል ተሣሃለነ እግዚኦ። ቅዱስ እግዚአብሔር ቅዱስ ኃያል ቅዱስ ህያው ዘኢይመውት ዘተንሥአ እሙታን አመ ሣልስት ዐርገ በስብሐት ውስተ ሰማያት ወነበረ በየማነ አብሁ ዳግመ ይመጽእ ብስብሐት ይኰንን ሕያዋነ ወሙታነ ተሣሃልነ እግዚኦ >> ብምባል ክምስክር ጸሎተ ኪዳን ንሓዋርያት ዘምሃሮም። ጎይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ  ኣቀዲሙውን ኣብ ወንጌል ናይ ትንሣኤኡ ነገር ገሊጹ ተዛሪቡ እዩ። <<ጎይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ነዛ ቤተመቅደስ እዚኣ ኣፍርስዋ ኣነ ከኣ ብሰለስተ መዓልቲ ኸልዕላ እየ ኢሉ መለሰሎም። እቶም ኣይሁድ ከኣ እዛ ቤተመቅደስ እዚኣ በርባዓን ሽዱሽተን ዓመት እያ ዝተኃንጸት ንስኻዶ ብሰለስተ መዓልቲ ከተልዕላ ትኽእል ኢኻ በልዎ። ንሱ ግና ብዛዕባ መቅደስ ሥጋኡ እዩ እተዛረበ። ስለዚ ከኣ ካብ ሙታን ምስ ተንሥአ ደቂ መዛሙርቱ እዚ ከም ዝበሎም ዘከሩ። በቲ ጽሑፍን በቲ ጎይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝበሎ ቃል'ውን ኣመኑ።>>  ዮሓ.219 ማቴ.1240

ሊቃውንቲ ቤተክርስቲያን ኣብ ቅዱሳት መጽሓፍት ዝተመስረተ መግለጺ ሃይማኖት ከዳልዉ <<ኮነ ብእሴ ወተሰቅለ በእንቲአነ በመዋእለ ጲላጦስ ጰንጤናዊ፣ ሐመ ወሞተ ወተቀብረ ወተንሥአ እሙታን አመ ሣልስት ዕለት በከም ጽሑፍ ውስተ  ቅዱሳት  መጽሓፍት።…  >>  ብምባል  ዘወትር  ንጽልዮ  ጸሎተ  ሃይማኖት  ሂቦሙና።  .ሓዋ.222-24 <<ንእግዚአብሔር ኩሉ ግዜ ኣብ ቅድመይ ገይረዮ፣  ንሱ ብየማነይ  ስለ ዝኾነ ኣይክናወጽን እየ ንነፍሰይ  ኣብ ሲኦል ኣይትሓድጋን፣ ቅዱስካ'ውን ጥፍኣት ክርኢ ኣይትፈቅድን ኢኻ እሞ ስለዚ ልበይ ይሕጎስ ክብረይ እልል ይብል፣ ሥጋይውን ኣብ ጽኑዕ ኪሓድር እዩ፣ ንመገዲ ሂወት ትሕብረኒ ኣብ ቅድሚ ገጽካ ናይ ሓጎስ ጽጋብ ኣብ የማናይካ'ውን ንዘልዓለም ብጽእና ኣሎ።>> መዝ.168-11

ኣብ ሥርዓት ቅዳሴውን ናይ ትንሣኤና ቦኽሪ ጎይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኩሉግዜ ክንዝክሮ ምእንቲ ኣብ መዝ.7765 መዝሙር ንዝምር <<ሽዑ እግዚአብሔር ከም ደቂሱ ዝነበረ ከምቲ ብወይኒ ሰኺሩ ዝጭድር ጅግና ኮይኑ ተንሥአ፣ ንጸላእቱ ድማ ኣብ ድህሪኦም ወቅዖም።>>  ሞትካን ቅድስቲ ትንሣኤካን ንነግር።።

ድሕሪ ትንሣኤ ክርስቶስ ክርስቲያናዊ ሰላምታ'ውን ከይተርፈ ይልወጥ። ሰላምታ ወሃቢን ተቀባልን ከምዚ እንዳበሉ ይቀባበሉ።

  • ክርስቶስ ተንሥአ እሙታን (ክርስቶስ ካብ ሙታን ተንሢኡ)
  • በዐቢይ ኃይል ወሥልጣን (ብዓቢይ ሓይልን ሥልጣንን)
  • አሰሮ ለሰይጣን             (ኣሲሩ ንሰይጣን)
  • አግአዞ ለአዳም             (ነጻ ኣውጺእዎ ንኣዳም)
  • ሰላም                       (ሰላም)
  • እምእዜሰ                   (ካብ ሎሚ)
  • ኮነ                          (ኮነ )
  • ፍስሐ ወሰላም             (ፍስሓን ሓጎስን ሰላምን ኮነ)


ክርስቲያናዊ ሰላምታና በኩረ ትንሣኤ ብዝኾነ ጎይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተረኽበ ነጻነትን ሰላምን ምብሳሩ ተወሳኺ ናይ ትንሣኤኡ ሓቅነት'ውን የረጋግጸልና።

ብሓፈሽኡ ትንሣኤ ጎይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ባርነት ናብ ነጻነት ካብ ሞት ናብ ሂወት ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን ዝተሰጋገርናሉ እዩ።

ጎይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ትንሣኤና ቦኽሪ ብሙዃ ክልተ ዓይነት ትንሣኤ ከምዘለና ዘምሃረሉ እዩ።
ቀዳማይ ትንሣኤ ራእ.206 <<ኣብቲ ቀዳማይ ትንሣኤ ዕድል ዘለዎ ብጹእን ቅዱስን እዩ። >>  ካብ ናይ ሓጥያት ድቃስና ንነቅሓሉ ብንስሓ ንትንሥኣሉ ክኸውን ከሎ።

ካልኣይ ድማ ትንሣኤ ዘጉባኤ እዩ። እዚ ከኣ ኅልቀተ ዓለም (መጨረሻ ዓለም) ምጽአተ ጎይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዳግማይ ምጽኣት ዝኾነሉ ናይ  ፍርዲ መዓልቲ እዩ።

ኣብ ናይ ካልኣይ ትንሣኤ ኣብ መጀመርታ ትንሣኤ ዝተሥኡ ናይ ክብሪ ትንሣኤ ይኾነሎም ነዚ እዩ ትንሣኤ ጎይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝኣመኑን ዝሰዓብዎን ጥራሕ ናብ ገሊላ ከይዶም ክርእይዎ ዝተነግረ። ፈታኒ ትንሣኤ ልቦና ተንሢኦም ኔሮም እዮም።

ቤተክርስቲያንና ናይ ክርስቲያን ናይ ነጻነት በዓል ስለዝኾነ ካብተን ጎይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ትሽዓተ (9)  በዓላት ሓንቲ ጌራ ብሥርዓት ከነኽብሮ ሰሪዓትልና። ርሑስ በዓል ትንሣኤ ይግበረልና!

ናይ ጎይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ሳህሉን ምሕረቱን ናይ  ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣማላድነት ኣይፈለየና። ናይ ጻድቃን ሰማእታት ተራዳኢነት ኣይፈለየና።

(For those who do not have Geez, please check this link) BOKRE TINSAE
ወስብሓት ለእግዚአብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር።

No comments:

Post a Comment