Thursday, April 12, 2012

ናይ ቁርስና በረኸት


በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!

ካብ ምቅባልሲ ምሃብ ኣዝዩ ይባረኽ

ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መዋእለ ስብከቱ << ካብ ምቅባልሲ ምሃብ ኣዝዩ ይባረኽ ዝብል ቃል እንዳዘከርካ ከምዚ ጌርካ ምዕያይን ንድኹማት ምእላይን ከም ዚግባእ ።>> .ሓዋ.20-35 ኢሉ ነጊሩናን ኣምሂሩናን እዩ።
ምሃብ ማለት ዓቢ በረከት እዩ። ካብቲ ዘለካ ትንኣስ ትዕበ ዝሃበ ካብ ኣምላኽ ዓቢ በረከት ይረክብ። ንመን ኢና ንህብ ንቤተክርስቲያን ንድኻታት ንጽጉማት ወዘተረፈ….

እግዚአብሔር ኣምላኽ ደቀይ ንበረከት ኩኑ ኢሉ። እዚ ዓቢ ምንጪ በረኸት ንዓና ሂቡና። ኣቦና ኣብርሃም ድምፂ እግዚአብሔር ሰሚዑ ቀሊጢፉ መልሲ ስለዝሃበ ንበረከት ኮይኑ በረከቱ ከኣ ንዕዑ ተፊሪ ንውሉድ ወለዶ ኮይኑ ዓቢ ክብርን ሞጎስን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽና እግዚአብሔር ረኺቡ አብ ብዙኃን ኣብርሃም ተባሂሉ። ኩሎም ቅዱሳን አበው ጻውዒት ኣምላኽን ብምስማዕ ንበረከት ኮይኖም እዮም። በረኸቶም ከኣ ንዓና ተሪፉ።
ስለዚ ናይ እግዚአብሔር በረከት ኣብ ልዕሊ ፈተውቱን ኣቡኡ ዝእመኑን ኣዝዩ ብዙሕን ሙሉእን እዩ።


ንሕና'ውን ንበረከት ዝተዳለና ክንከውን ይግበኣና ኣምላኻን መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንበረከት ኩኑ ይብለና ኣሎ። ብምንታይ ንብል ንኸውን ሰኣን ዘይምስማዕናን ዘይምስትውዓልናን ይኸውን እምበር ብዙሓት ነገራት ኣለዉ በረከት ክንረኽበሎም ንኽእል ነገራት።  ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ማቴ.25-35-40 << ጠምየ ኣብላዕኩሙኒ፣ ጸሚኤ ኣስተኽሙኒ፣ ዓሪቐ ከዲንኪሙኒ፣ ጋሻ ኮይነ መጺኹም ተቐቢልኩሙኒ፣ ሓሚመ በጺሕክሙኒ፣ ተኣሲረ መጺኹም ሓቲቲክሙኒ.>> ከምዝበልና እዚኦም ኩሉም ምንጪ ንበረከት ኮይኖም፣ ኣብ ዳግማይ ምጽኣት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ እንሕተቶም ሕቶ እዮም።

ቁርስና በረኸት

ኣብ እዋን ጾምና ናይ ቁርስና በረኸት ትብል መንፈሳዊት ጹሑፍ ከኣ ቀንዲ መልእኽታ ቃል እግዚአብሔር ምምሃር ኮይኑ ምስኡ ከኣ ኩሉ ህዝበ ክርስቲያን ብምሃብ ናይ ቁርሱ ንበረከት ክትቀመላ ምዝኽኻር እዩ። ምኽንያት ኣብ እዋን ጾም ኩሉ ምእመናን ስጋብ ዓቅሙ ብምጻም ናይ ቁርሱ ሰዓት ኩሉ ይሰግራ እዩ። እታ ንቁርሱ ከጥፍኣ ዝነብሮ ግና ኣብ ምእንታይ የውዕላ ? ስለዚ ንበረከት ክጥቀመላ ይግባእ።
ሓሲቡ ጥቅማ ተረዲኡ ኣብ ቅድሚ እቲ ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ ልብን ኩላሊትን ዝምርምር ኣምላክ እተን ዝግብእኦ ንበረከት ክጥቀመለን ይግባእ።


ንቤተክርስቲያን ብምሃብ ፣ንድኻ ብምሕጋዝ፣ ንዝጠመዩ ብምዕንጋል ወዘተረፈ መንፈሳዊ ተግባራት ብምትግባር ንኣምላኽና እግዚአብሔር ከንስምሮ ይግበኣና።
ነታ ድኻ መበለት ንዘክራ። << ሓንቲ ድኻ መበለት ከኣ ኣቡኡ ክልተ ሊብጦን ከተውድቅ ከላ ረኣያ እሞ ካብ ኩላቶም እዛ ድኻ መበለት እዚኣ ኣብዚሓ ከም ዘውደቀት ብሓቒ እብለኩም ኣለኹ። እዚኣቶምሲ ኩላቶም መባእ ካብዝተረፎም እዮም ዘውድቑ እዚኣ ግና ካብ ስእነታ ዘለዋ ምግባያ ዘውደቀት።>> ሉቃ.21-4



ክንህብ ከለና ከምዛ ለባም መበለት ኮይና ክንህብ  ኣምላከ ቅዱሳን ብጸጋኡ ይደግፈና በረከቱን ሣህሉን የብዝሓልና። ወላዲተ ኣምላክ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ብኣማላድነታ ኣይትፈለየና።

ያብጽኃነ ያብጽኅኩም በሰላም እግዚአብሔር አሜን

ኣብ ግብረ ሕማማት ውሽጢ ኣብ ዕለት ስግደት ነዘውትሮም ባዕዳዊ ቃላት ትርጉም ኣብ ግብረ ሕማማት ናብ ግእዝ ኮነ ትግርኛ ከይተተርገሙ ዝተቀመጡ እንጥቀመሎም ናይ እብራይስጥ ቅብጢን ግሪኽን ቃላት ኣለዉ ። እዞም ቃላት እዞም ዝስዕቡ እዩም።

ኪርያላይሶን
ቃሉ ናይ ግሪኽ ኮይኑ ትርጉሙ ድማ << ጐይታ መሓረና።>> ማለት እዩ።

ናይናን
ቃሉ ናይ ቅብጢ(ጥንታውያን ግብጺ ዝጥቀሙሉ ቋንቋ) ክኸውን ከሎ ትርጉሙ ድማ << መሓረና >> ማለት እዩ።

ዕብኖዲ
ቃሉ ናይ ቅብጢ ክኸውን ከሎ ትርጉሙ ድማ << ኣምላኽ >> ማለት እዩ። << እብኖዲ ናይናን>> ክብል << ኣምላኽ መሓረና >> ማለት እዩ።

ታኦስ
ቃሉ ናይ ግሪኽ ኪኸውን ከሎ ትርጉሙ ድማ << ጐይታ ኣምላኽ>> ማለት እዩ። << ታኦስ ናይናን>> ማለት << ጎይታ መሓረና።>> ማለት እዩ።

ማስያስ
ናይ እብያይስጥ ቃል ኪኸውን ከሎ ትርጉሙ ድማ << መሲሕ>> ማለት እዩ። << ማስያስ ናይናን >> ክብል ከሎ <<  መሲሕ መሓረና>> ማለት እዩ።


አምነስቲቲ ሙኪርያቱ አንቲ ፋሲልያሱ
Em-nees the-tee mo-ki-riey enti vasilia so
ናይ ቅብጢ ቃል ኪኸውን ከሎ ትርጉሙ ከኣ << ተዘከረነ እግዚኦ በውስተ መንግሥትከ፣ ጐይታ ኣብ መንግሥትኻ ዘክረና።>> ማለት እዩ።

አምንስቲቲ መዓግያ አንቲ ፋሲልያሱ
Em-nees the-tee mo-a-geh-e enti vasilia so
ቃሉ ናይ ቅብጢ ኪኽውን ከሎ << ተዘከረነ ቅዱስ በውስተ መንግሥትከ ቅዱስ ኣብ መንግሥትኻ ዘክረና።>> ማለት እዩ።


አምንስቲቲ ሙዳሱጣ አንቲ ፋሲልያሱ
Em-nees the-tee mo-zess-pota enti vasilia so
ቃሉ ናይ ቅብጢ ኮይኑ << ተዘከረነ እግዚአ ኩሉ በውስተ መንግሥትከ ልዕሊ ኩሉ ዝኾንካ ኣምላኽና ኣብ መንግሥትኻ ዘክረና።>> ማለት እዩ።

(For those who do not have Geez, please check this link) NAY KURSINA BEREKET
ወስብሐት ለእግዚአብሔር፣
ወለወላዲቱ ድንግል፣
ወለመስቀሉ ክቡር።

No comments:

Post a Comment