Monday, April 9, 2012

ሰሙነ ሕማማት


በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ ኣምላክ አሜን


ፍኖተ መስቀል

ፍኖተ መስቀል ማለት ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ
 ጲላጦስ ኣደባባይ ተበጊሱ ንመስቀሉ ተሰኪሙ ስጋብ ዝተሰቅለሉ
 እምባ ቀራንዮ ዝተጓዕዘሉ መገዲ ማለት እዩ። ጐይታና
 መድኃኒና  ኢየሱስ  ክርስቶስ ሓሙስ ምሸት ምስ ተታሕዘ 
ለይቲ ብሙሉኡ መከራ ክቅበል  ሓዲሩ ዓርቢ ንግሆ ናይ
 ኣይሁድ ሽማግሌታት ሓለቃታት ተኣኪቦም ናብ ቤት
 ሹም ናብ ጲላጦስ ሒዘምዎ ከዱ። ድሕሪኡ
 <<እዚ ሰብ ምስ ሕግና ዘይሰማማዕ ትምህርቲ ንህዝቢ የምህር ኣሎ' ብሕግና ሞት ይግብኦ።  ንጉሥ እየ  እንዳበለውን  የታልል  እዩ፣>>  ብምባል ኣብቲ ቅድሚ ሹም ቀሪቦም ከሰስዎ። ጲላጦስ ግና ብዙሕ እንተሓሰውዎን ተኸሰስዎን ኣይኣመኖምን ኔሩ። ምኽንያቱ መርሚሩ በደል ኣይረኸበሉን፣  ከድሕኖ'ውን  ሓሲቡ ኔሩ፣ ግና ኣይከኣለን።

ጲላጦስ  ንጐይታና  መድኃኒና  ኢየሱስ  ክርስቶስ  ክምርምሮ ንበይኑ ደው ኣቢሉ ኽሓቶ ናይ ሮማውያን ልምዲ ስለዝነበረ ናብ ኣዳራሽ ኣእቲዩ ንበይኑ ንዝተኸሰሉ ነገር ሓቲትዎ። ኣይሁድ ግና ኣብዚ ግዜ በዓለ ፋሲካ በጺሕዎም ስለ ዝነበረ ስለ ክብሪ በዓል ኢሎም  ናብ  ቤት  ፍርዲ  ኣይኣተዉን።    ኣብ  ደገ  ተኣኪቦም ነንሓድሕዶም ከምድሌቶምን ምንዮቶምን ንጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንምስቃል ይሓስቡ ኔሮም። ጲላጦስ'ውን  ንጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንበይኑ ድሕሪ ምምርማሩ ካብቲ ኣዳራሽ ወጺኡ ኣብዚ ሰብ ንሞት ዘብቅዕ በደል ኣይረኸብኩሉን እነሆልኩም ኢልዎም። ንሶም'ውን << ብሕግና መሰረት ሞት ዝግብኦ ሰብ እዩ። ንገዛእ ርእሱ ምስ እግዚአብሔር ማዕረ ጌሩ እዩ' ሞት ይግብኦ'ዩ። ስቀሎ፣ ስቀሎ >> እንዳበሉ መለስሉ። ንሱ'ውን ዳግማይ ንበይኑ መርሚሩ ዝሞተሉ በደል ከምዘይብሉ ፈሊጡ፣ ካብቲ ኣዳራሽ ንደገ ወጺኡ ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ ኢዱ ተሓጸበ። ካብዚ ሰብ ደም ንጹህ እየ ሞት ኣይፈርደሉን እየ ብምባል ንሓቒ መስከረ።



ኣይሁድ ግና እዚ ሰብ ንጉሥ ዘይኮነ ንጉሥ እየ ኢሉ እዩ፣ ንጉሥ እየ ዝብል ኩሉ መቐናቕንቲ ቄሳር  እዩ። ናይ ቄሳር መቐናቕንቲ ተቋዋሚ ምዃኑ ንሕና እንዳመስከርና ንስኻ ግና ናይ ቄሳር ሹም ኰንካ ከለኻ እንተገዲፍካዮ ኣብኣ ትረኽባ እንዳበሉ ንጲላጦስ ኣፈራርሕዎ። ጲላጦስ ከኣ እዚ ምስ ሰምዐ ንገዛእ ርእሱ ክሲ ከይመጾ ንጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣሕሊፉ ሂቦዎ።

ድሕር' ንጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ እቶም ዓቀይቲ እቲ ሹም ናብ ኣዳራሽ ፍርዲ ኣእተውዎ። ንኽዳኑ ቐንጢጦም ከኣ ቀይሕ ባርኖስ ከደንዎ፣ ካብ እሾኽ ኣኽሊል ተኒጎም ኣብ ርእሱ ደፍኡሉ፣ ኣብ የማናይ ኢዱ ዘንጊ ኣትሒዞም << ኣብ ቅድሚኡ እንዳተድፍኡ ንጉሥ ኣይሁድ ከመይ ኢኻ፣ ንጉሥ እንተ ዀንካ ንዓኻ ስግደት ይግባእ። ልብሰ መንግሥት የምሕረልካ' ይኸውን ? ክርስቶስ እንተ ዀንካ ትንቢት ንገረና?>> ኢሎም ኣላገጹሉ። ጡፍውን በሉሉ፣ እቲ ዘንጊ ኣግዲፎም ከኣ ርእሱ ወቕዕዎ። ምስ ኣላገጹሉ ነቲ ባርኖስ ቀንጢጦም

ክዳኑ ኸደንዎ፣ ንመስቀሉ ኣሰኪሞም ኺሰቅልዎ ናብ ቀራንዮ ክወስዶ ተበገሱ ዝተበገስሉ ቦታ ገበታ ተባሂሉ ይጽዋዕ።

ድሕር' ካብ ናይ ጲላጦስ ኣደባባይ ተበጊሱ ንመስቀሉ ተሰኪሙ ንመከራ ተዓጊሱ ስጋብ ቀራንዮ ዝተጓዓዞ ፍኖተ መስቀል ይበሃል። ላቲናውያን ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ቅድሚ ጲላጦስ ካብ ዝቆመሉ ቦታ ጀሚሮም ስጋብ መካነ ትንሣኤኡ ብዕለት ዓርቢ ዝኾኖ ኩሉ እንዳንበቡን እንዳተረኹን ናብ ቀራንዮ ይኣትዉ። ኣብዚ ጉዕዞ ጸሎት ዝግበረሎም ምዕራፋት ኣለዉ።

ናይ ፍኖት መስቀል ምዕራፍ

  •  ናይ ጲላጦስ ኣደባባይ (ገበታ)


ናይ መጀመርያ ምዕራፍ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቅድሚ ጲላጦስ ዝቆመሉ ኣደባባይ እዩ። ስሙ  ጸፍጸፍ፣  ብእብራይስጥ ከኣ ገበታ፣ ብግሪኽ ሊቶስጥራ ይበሃል።

  •  ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተገርፈሉ


ካልኣይ ምዕራፍ ካብ ሊቶስጥራ ወጺኡ ናብ ጌቴሰማኒ ዝወስድ መገዲ ተሳጊሩ ጲላጦስ ንጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ገሪፉ እነሀልኩም እዚ ሰብ ዝበሎም ቦታ እዩ። ናይቲ ቦታ ስም ስጋብ ሕጂ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተገርፈሉ ቦታ ይብሃል። እቲ ቦታ ላቲን ገዳም ሰሪሖምሉ እዮም።

  •  ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ መጀመርያ ዝወደቀሉ ቦታ


ሳልሳይ ምዕራፍ ዝቐደመ ስፋራ ናብ ድሕሪት ገዲፉ ናብ ምዕራብ ዝወስድ መገዲ ሒዙ ናይ ደማስቆ መእተዊ በሪ ናይ ኣርመን ቤተክርስቲያን ዘለዎ፣ በሪ ብሓጺን ዝተሓጽረ ንእሽተይ ክፍሊ እዩ። ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብዚ ምስ በጸሐ ካብ ብዝሒ ግርፋቱን ካብ ክብደት መስቀሉን ዝተልዓለ ዝወደቀሉ ቦታ እዩ። ስለዚ እዚ ቦታ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ መጀመርያ ዝወደቀሉ ቦታ ይበሃል።

  •  ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም እንዳነብዐት ንወዳ ዝረኸበትሉ ቦታ እዩ።


ራብዓይ ምዕራፍ ካብ ሳልሳይ ምዕራፍ ቁሩብ ትሕት ኢሉ ካብ ናይ ኣርመን ገዳም ብጸጋም ዘሎ ማእዘን ምስ በጻሕካ ዝርከብ እዩ። እዚ ቦታ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም እንዳበኸየት ምስ ወዳ ዝተራኸበትሉ ቦታ እዩ።

  •  ቀሬናዊ ስምዖን ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ መስቀል ዝተሰከምሉ ቦታ እዩ።


ሓሙሻይ ምዕራፍ ካብ ራብዓይ ምዕራፍ 20 ሜትሮ ዝኣክል ናብ ደቡብ ማእዝን ድሕሪ ምጓዓዝ ናብ የማን ዘዕጸፍ መገዲ እዩ። ኣብዚ ቦታ ስምዖን ቀሬናዊ ዝበሃል ሰብ ኣብ ናይ ኣይሁድ ክፋእ ምኽሪ ከይሕወስ ተሓቢኡ ዊዒሉ ኔሩ። ሰላም ኮይኑ' ኢሉ ካብ ተሓቢእዎ ዝነብረ ሕርሻኡ ዊዒሉ ናብ ቤቱ ክኣቱ ክምለስ ከሎ እቶም ዓሳክር ረኺቦም ኣገዲዶም እንዳጎተቱ ወሲዶም መስቀል ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዘሰከምዎ ቦታ እዩ። ኣብ ክፍ ኣቶም ሰለዘይተሓባበረ ንስኻውን ናቱ ወገን ኢኻ ብምባል ክቀጽዕዎ ምእንቲ መስቀል ኣሰከምዎ። ኣብዚ ቦታ ላቲያውያን ንእሽተይ ቤተ መቅደስ ሰሪሖምሉ እዮም ናይ ስምዖን መቅድስ ይበሃል።

ስምዖን ዝተባህለ ሰብ ናይ እስክንድሮስን ሩፎን ኣቦ እዩ። ማር.15-21  ጳውሎስ ኣብ ሮሜ መልእኽቱ 1613 ኣብ ሰላምታኡ ንሩፎን ይጠቅሶ እዩ። እዚኦም ክልተ ደቁ ቁጽሮም ምስ 72 ኣርድእቲ እዩ። እዚ ሰብ ዋላ እኳ ተገዲዱ እንተዀነ ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ መስቀል ብምስካሙ ከኣ ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ መስቀል በረኸት ተሳታፊ ዀይኑ እዩ። እዚ ስለ ዝዀነ ከኣ ብጣዕሚ ዕድለኛ እዩ።

  •  ቢሮና (ሰራጵታ ) ብመንዲል ናይ  ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ገጽ ዝደረዘትኩ ቦታ እዩ።


ሻድሻይ ምዕራፍ ቢሮና (ሰራጵታ) ትብሃል ሰበይቲ ካብ መግረፍቲ ጻዕቂ ካብ ክብደት መስቀሉ ዝተላዕለ ገጹ ናይ ብደም ወዝ ተሸፊኑ ምስ ረኣየት ሓዚና ንገጹ ብጻዕዳ መንዲል ምስ ደረዘትሉ፣ ንኣምላኽነቱ ዝገልጽ ንጽቡቅ ስርሓ ተስፋ ዝህብ ንሃይማኖታ ዘበራትዕ ናይ ገጹ መልክዕ ኣብቲ መንዲል ተገሊጹ ወጸ ንሳ'ውን በዚ ምኽንያት እምነታ ብጣዕሚ ዝጸንዐ ዀነ።

ታሪኻ ወይ ጽቡቅ ስርሓ ዝዛረብ ወንጌላውያን ኣብ ዝጸሓፍዎ ወንጌል ኣይረከብን እዩ። ኰይኑ ግና ታሪኻ ዝተፍላለዩ ናይ ቤተክርስቲያን መጽሓፍቲ ይዛረቡ እዮም። ሓደ ሓደ ሊቃውንቲ ኣቦታት ብዛዕባ እዛ ሰበይቲ ክዛረቡ ከለዉ ንዓሰርተ ክልተ ዓመት ደም ዝፈሳ ዝነበረ ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ክዳኑ ምስ ተንከፈት ዝደሓነት ሰበይቲ እያ ይብሉ። ኣብዚ ሻድሻይ ምዕራፍ ግሪኻውያን መቅደስ ሰሪሖምሉ እዮም። ዓርቢ ዓርቢ በብሳምንቲ ይኽፈት እዩ።

  •  ናይ ጎልጎታ መቅረቢ


ሻብዓይ ምዕራፍ ካብ ሻድሻይ ምዕራፍ ብግምት ሓደ ሚእቲ ሜትሮ ዝኣክል ተጓዒዝካ ናብ ምዕራብ ኣቢሉ ዝወስድ መገዲ ካብ ሰሜን ኣንፈት መጺኡ ናብ ጽርሐ ጽዮን ዘሕልፍ ማእከላይ መገዲ እዩ።  ኣብ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዘመን መጨረሻ ናይ ከተማ ምዕራባዊ በሪ እዚ ኔሩ ይበሃል። ኣብዚ ቦታ ንእሽተይ ቤተ መቅድስ ኣላታ። ኣብ ውሽጣ'ውን ኣብ ቀደም ዘመን ዝነበሩ ኣዕማድ እዮም እንዳበሉ የርእዩ። መቅድሱ ናይ ላቲናውያን እዩ። ከም ታሪኽ ጥንቲ በሪ ናይ ከተማ ኔሩ ይበሃል ከምዚ እንተ ዀይኑ ጎልጎታ ካብ ከተማ ብጣዕሚ ርሑቅ ኣይነበረን ማለት እዩ።

  •   ናይ  ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ስቃይ ኣንስቲ ርእየን ዘልቀሳሉ ቦታ


ሻሙናይ ምዕራፍ ካብ ሻብዓይ ምዕራፍ ብዓሰርተ ሓሙሽተ ሜትሮ ዝኣክል ናብ ላዕሊ ውጽእ ኢሉ ይርከብ።  ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ  ንመስቀሉ ተሰኪሙ መከራ መስቀል እንዳተቐበለ ክኸይድ ከሎ ኣዴታት ኣንስቲ ርእየን እንዳበኸያሉ ኪስዕብኦ ከለዋ ናብኣታተን ግልጽ  ኢሉ፣ ኣትን  ኣዋልድ  ኢዮርሳሌም….  ንርእስኽንን  ደቅኽንን  ደኣ  ብኸያ እምበር ንዓይስ  ኣይትብከያለይ።  ዝበለን  ቦታ እያ። ሉቃ.2327 ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ እዚ ምባሉ ድሕሪ ኣርብዓ ዘመን ዝመጾም መከራ ብትንቢት ክነግሮም ከሎ እዩ። ኣብዚ ቦታ መንኰሳት ዝቕመጥዎ ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ገዛ ኣሎ።

  •  መስቀል ሒዙ ዝወደቀሉ ቦታ


ታሽዓይ ምዕራፍ ሓደ ዝቆመ ናይ እምኒ ዓምድ ኣለዎ። ኣብዚ ቦታ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ መስቀል ሒዙ ወዲቁ እዩ። እዚ ቦታ ናብ ጎልጎታ መውጺኢ በሪ እዩ። ቦታኡ ከኣ ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ገዳማት መእተዊ በሪ እዩ።

  •  ልብሱ ዝገፈፍሉ ቦታ


ዓስራይ ምዕራፍ ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ልብሲ ዝተገፈሉ ቦታ እዩ።
  
  •  ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተሽንከረሉ ቦታ


መበል ዓሰርተ ሓደ ምዕራፍ ንጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ልብሱ ገፊፎም ዕርቃኑ ድሕሪ ምግባሮም ኣእዳዉን ኣእጋሩን ብምስማር ዝሸንከሩሉ ቦታ እዩ።

  •  ንመስቀሉ ዘቆምዎ ቦታ እዩ።

መበል ዓሰርተ ክልተ ምዕራፍ ንጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ድሕሪ ምሽንካሮም ንመስቀሉ ዘቀምዎ ቦታ እዩ።

  •  ቅዱስ ሥጋኡ ዘውረድዎ ቦታ እዩ።

መበል ዓሰርተ ሰለስተ ምዕራፍ በዓል ኒቆዲሞስ ንጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ መስቀል ኣውሪዶም ዘዕረፍሉ ቦታ እዩ።

  •  ቅዱስ ሥጋኡ ዝገነዝሉ ቦታ እዩ።

መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ ምዕራፍ ዮሴፍን ኒቆዲሞስን ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ቅዱስ ሥጋኡ ዝገነዝሉ ቦታ እዩ።

  •  ቅዱስ ሥጋኡ ዝተቀብረሉ ቦታ እዩ።


መበል ዓሰርተ ሓሙሽተ ምዕራፍ ዮሴፍን ኒቆዲሞስን ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ቅዱስ ሥጋኡ ኣብ ሓዲሽ መቓብር ዘዕረፍሉ ቦታ እዩ። ብሓፈሹኡ ናይ ፍኖተ መስቀል ምዕራፋት እዚኦም እዮም።

ያብጽሐነ ያብጽሕኩም በሰላም እግዚአብሔር በሰላም ኣሜን።


 ቅድመ ወንጌል
  •  
  • ተንሥኡ ላዕሌየ ሰማዕተ ዐመፃ፣ ወዘኢየአምር ነበቡ ላዕሌየ ፈደዩኒ እኪተ ህየንተ ሠናይት።
  •  
  •  ዐገቱኒ ከለባት ብዙኃን፣ ወአኀዙኒ ማኅበሮም ለእኩያን፣ ቀነዉኒ እደውየ ወእገርየ።
  •  
  •  ቀነዉኒ እደውየ ወእገርየ፣ ወኆለቁ ኲሎ አዕፅምትየ፣ እሙንቱሰ ጠይቆሙ ወተዐወሩኒ።
  • ወወደዩ
  • ሐሞተ ውስተ መብልዕየ፣ ወአስተዩኒ ብሒአ ለጽምእየ፣ ለትኩኖም ማእዶሙ መሥገርተ በቅድሜሆሙ።

(For those who do not have Geez, please check this link) SOMUNE HIMAMAT
ወስብሓት ለእግዚአብሔር
ወለወላዲቱ ድንገል
ወለመስቀሉ ክቡር።

No comments:

Post a Comment