Sunday, April 8, 2012

ሰሙነ ሕማማት


በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!

ሚያዝያ ፩/9   (2004/2012) .


<<እንሆ ይሁዳ ካብቶም ዓሰርተው ክልተስ ሓደ መጸ። ምስኡ ድማ
ካብ ሊቃውንቲ ካህናትን ዓበይቲ ህዝብን ብዙሓት ሰብ ኣስያፍን
ኣባትሮም ሒዞም መጹ። እቲ ዘትሕዞ ከኣ እቲ ኣነ ዝስዕሞ ንሱ
እዩ ሕዝዎ ኢሉ ምልክት ሃቦም። ብኡብኡ ናብ ኢየሱስ ክርስቶስ
ቀሪቡ ከመይ ኣምሰኻ መምህር ኢሉ ሰዓሞ። ጎይታና መድኃኒና
ኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ ዓርከይ ብምንታይ ነገር መጻእካ በሎ። ማቴ.26፣47-51። >>


<<ካብ ድራር ተንሢኡ ክዳውንቱ ኣንበረ ዓለባ ኣልዒሉውን ተዓጥቀ። ደሓር ማይ ኣብ ገበራ ኣዕሪቁ ኣእጋር ደቀ መዛሙርቱ ኪሓጽብን በቲ እተዓጥቆ ዓለባ ገይሩ ኪደርዝን ጀመረ።……..  ኣነ መምህርን ጎይታን
ክንሰይ ኣእጋርኩም ካብ  ሓጸብኩስ ከምቲ ኣነ ኣባኻትኩም ዝገበርክዎ ንስኻትኩም'ውን ከም ኡ ክትገብሩ መርኣዪ ሂበኩም ኣለኹ እሞ ከምኡ ኣእጋር ሓድሕድኩም ክትሕጸቡ ይግብ ኣኩም እዩ።>> ዮሓ.13፣ 5-17>>



ሰሙነ ሕማማት

ብነብየ ኢሣይያስ << ነስአ ደዌነ ወፆረ ሕማምነ >> ኢ.534-7 << ብሓቂ ንሱ ንሕማምና ጾሮ ንስቃይና ከኣ ኣብ ነፍሱ ጸዓኖ >> ተባሂሉ ዝተነግረ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንታና ክብል ዘሕለፎ መከራን ስቃይን ስጋብ ሞት በጃ ከዝዀነና እዩ። ነግህ፣ ስድስቱ፣ ተስዓቱርክ ሌሊት ሰሙነ ሕማማት ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ሕማማት ብምሕሳብ ብተወሳኺ ብዙሓት ነገራት ምፍጻሞም ንዝክረሉ ሳምንቲ እዩ። በብዕለቱ ከፊልና እንታይ እንታይ ከምዝተግብረ ክንርእይ ኢና።

  • ሰኑይጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርክስቶስ ኣብ ዕለት ሆሳእና ኣብ ቢታንያ ዝተባህለት ዓዲ ሓዲሩ፣ ንጽባሕታ ንግ ካብ ቢታንያ ኽወጹ ከለዉ ጠመየ። ማር.1111-25 <<ብርሑቅ ከኣ ቆጻል በለስ ረኣየ ምናልባሽ ገለ እንተረኸበላ ክርኢ  ናብኣ  ከደ።  ናብኣ  መጺኡ  ከኣ  ግዜ በለስ   ኣይነበረን   እሞ   ቆጽሊ እምበር ገለ እኳ ኣይረኽበላን። መሊሱ ድማ ካባኺ ሓደ እካ ዘልዓለም  ፍረ  ኣይብላዕ  በላ።>>  በዚ  መሠረት እዚኣ ዕለት ዕለተ መርገም በለስ  ዝተፈጸመላ ሰኑይ ትብሃል።
ትርጉም፣-በለስ ዝተባህለት ቤት እስራኤል እያ። ፍረ ዝተባህለት ሃይማኖትን                                              ምግባርን እያ። ካብ እስራኤል ፍቅርን ሃይማኖትን  ምግባርን ደሊዩ ኣይረኸበን። እስራኤል ዝበ እግዚአብሔር ትብሃሉ   እምበር፣ ነብይ፣   ካህናት መሥዋእቲ ካባኺ ኣይረኸብ ኢሉ ረጊምዋ። በቲ መርገም ምኽንያት ትንቢት፣ ክህነት፣   መሥዋእቲ ካብ ቤተእስራኤል ጠፊኡ።

በለስ ሓጥያት፣ናይ በለስ ቆጽሊ ሰፊሕ ከምዝዀነ ኩሉ ሓጥያት ኣብዚ ዓለም ሰፊሓ ረኺብዋ። በለስ ክበልዕዎ ከለዉ ምቑር እዩ፣ ጸኒሑ ግና ይመርር። ሓጥያት ክሰርሕዋ ደስ እያ ተብል ዳሕራይ ግና (ተሕዝነካ) ተጣዕሰካ ኣባኺ ፍረ ኣይረኸብ ማለቱ ብፍዳ ሓጥያት ተታሒዙ ዝተርፍ ኣይሃሉ ማለቱ እዩ። እታ በለስ ምስ ተረገመት ቀሊጢፋ ምድራቃ፣ ብኣዳም በደል ምኽንያት ዝተረኽበ ዕዳ ብእኡ ብኣምላኽና መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከምዝጥፍኣልና ንምግላጽ እዩ።

ካብኡ ቀጺሉ ናብ ቤተመቅደስ ከደ። ቤት መቅደስ ቤት ጸሎት ቤተ መሥዋእቲ ምዃ ተሪፉ ቤተ ምሥያጥ ( ቤተ ዝሸጡን ዝሻየጡን) ኮይኑ ምስ ረኸቦ። <<  ቤተይ  ንኹሎም ኣህዛብ ቤት ጸሎት ትብሃል ጽሑፍ ደይኮነን ንስኻትኩም ግና በዓቲ ጎሓሉት ገበርኩምዋ >> ማቴ.2113 ኢሉ ነቶም ዝሸጡን ዝሻየጡን ከውጽኦም ጀመረ። ሰደቃ ሸረፍትን መንበር ሸየጥቲ ርግብን ደንከለ። ንኹሎም ከኣ ኣውጽኦም። እዚ ዘርእየና ኣብ ማኅደር ቤቱ ዝነብርና ንሕና ደቂ ኣዳም ሓጥያት ወሪሱና
ክንነበር ሓጥያትና ኩሉ ከምዘርሓቀልና ንኽገልጽ እዩ። ካብዚ ብምብጋስ'ውን አንጽሖተ ቤተመቅደስ ዝፈጸመላ ሰኑይ'ውን ትብሃል እያ።

  •  ሰሉስ-

 ሰኑይ ብዝገበሮ አንጽሖተ ቤተ መቅደስ ምኽንያት፣ ሹመት ወይ ሥልጣን ንደቂ ሰባት ዝሃበ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ ሥልጣኑ ብጸሓፍቲ ፈሪሳውያን ተሓቲቱ እዩ። ናይ ሕቶ መዓልቲ ይብሃል።

ሕቶኦም'ውን  ካብ ምድራውያን ነገሥታት፣ ካብ ሌዋውያን ካህናት ትምህርቲ ዘይኮነ፣ ተኣምራት ምግባር፣ <<  በየናይ ሥልጣን እዚ ትገብር ኣለኻ? ወይስ እዚ ንምግባር ዘሰልጠነካ መን እዩ። >>  ዝብሉ እዮ ኔሩ። ማቴ.2123-27 ማር.1117- 35 ሉቃ.201-8 ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ክምልስ ከሎ <<  ኣነውን ሓደ ነገር ኽሓተኩም ጥምቀት ዮሓንስ ካብ ሰማይ  ድዩ ወይስ ካብ ምድሪ እዩ። ኢሎዎም። <<  ኣነ'ውን ሓንቲ ነገር  እሓተኩም ኣለኹ እሞ ንገሩኒ። ጥምቀት ዮሓንስሲ ካብ ሰማይዶ ወይስ ካብ ሰብ  እያ፣ ኢሉ መለሰሎም።ንሳቶም ከኣ ካብ ሰማይ እንተበልናዮ ከመይ ድኣ ዘይኣመንኩምዎ ክብለና እዩ። ካብ ሰብ እንተበልናዮ ከኣ ኩሉ ህዝቢ ዮሓንስ ነብዩ ይኣምን እዩ  እሞ  ብእምኒ ኽጭፍልቀና እዩ። ኢሎም ብልቦም ይሓስቡ ስለዝነበሩ ካበይ ከም ዘይፈልጡ መልስሉ። ጎይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ  ኣነ'ውን  በየናይ ሥልጣን  እዚ ከምዝገብር ኣይነግረኩምን እየ በሎም። >>  ነዚ ሕቶ' ምሕታቶም ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝገብሮ ኩሉ ብናይ ገዛእ ርእሱ ሥልጣን ምዃ ጠፊእዎም ኰይኑ  ኣይኮነን፣ ግና ልቦም ብኽፍኣትን ምጥርጣርን ስለ ዝተመልአ ጥራሕ እዩ።

ማቴ.2128 2548 ማር.122 1237 ሉቃ.209 2138 ዝርከቡ ትምህርቲ ኩሎም ናይ ሰሉስ ትምህርቲ ይብሃሉ። እዚ ዕለት ኣብ ቤትመቅደስ ነዊሕ ትምህርቲ ስለዘምሃረ ናይ ትምህርቲ መዓልቲ'ውን ይበሃል እዩ። ክርስቲያን ዝዀነ ኩሉ ኣብዚ ሰሙን ' ካብ ሥጋዊ ነገራት ሪሒቑ ናይ ሃይማኖት ትምህርቲ ክመሃርን ክሓትትን ምቅናዩ መጽሓፋዊ ሥርዓት እዩ።

  •  ረቡዕ-

 ምክረ ኣይሁድ ይብሃል። ምኽንያቱ ሊቃነ ካህናትን ኣይሁድን ጸሓፍትን ንጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ከመይ ጌሮም ክሕዝዎ ከም ዘለዎም ተማኺዎም ምኽሮም ዝወድእሉ ዕለት እዩ። ኣብዚ ምኽሮም ብጣዕሚ ዓቢ ጭንቀት ኔሩ። ምኽንያቱ እዋኑ በዓል ፋሲካ ዘኽብሩሉ ዕለት ብምቅራቡ እዩ። ብዙሓት ሰባት ብናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ትምህርቲ ዝተማረኹ፣ ተኣምራቱ ርእዮም ዘድንቁ ስለዝነብሩ ህውከት ንኸይፍጠር ኢሎም እዮም። ኣብዚ ጭንቀት ከለዉ ካብ ደቂ መዛሙርቱ ሓደ ኣስቆርታዊ ይሁዳ ኣብ መንጉኦም ብምርካብ ናይ ምኽሮም ተሓባባሪ ብሙ ካብቲ ዝነብሮም ጭንቀት ኣህደኦም። ማቴ.261-14 ማር.141-2 ማር.1410-11 ሉቃ.221-6። ናይ ሓድሽ ኪዳን ካህናትን ምእመናን ኣብዚ ዕለት ኣብ ቤተክርስቲያን ተኣኪቦም ብሙሉእ ሰውነቶም ንእግዚአብሔር ብምግዛእ ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ሞተ ፍርዲ እንዳሓሰቡ ብምብካይ፣ ሓዋርያት ድሕሪ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ምትሓዙ ብፍርሓት ከም ዝነብሩ እንዳዘከሩ መጽሓፍቲ ብምንባብ ብጾምን ጸሎትን ሥግደትን ተጸሚዶም ድሕሪ ምጽናሕ ሰዓት ዓሰርተ ወክሊኤተ (ሽዱሽተ) ምስ ኰነ ነናብ ቤቶም ይኸዱ።

ናይ ጥዑም መኣዛ መዓልቲውን ይብሃል እዩ። ምኽንያቱም ኣብዚ ዕለት ኣብ ቤተ ስምኦን ዘለምጽ ከሎ፣ ሙሉእ ሂወታ ንዝሙት ኣግዚኣ ትነብር ዝነብረት ማርያም እንተ እፍረት ( በዓልቲ ጨና ማርያም) << ድሕሪ ሕጂ ብሓጥያት ተብላሽዩ ዝነበረ ሂወተይ ከምዚ ጥዑም  መኣዛ ዝጥዕም ንሓጥያተይ ይቅረ ዝብል ኣምላኽ መጺኡ።>> ክትብል ዋግኡ ብጣዕሚ ክቡር ዝኾነ፣ ስጋብ ስለስተ ሚእቲ ዲናር ዘውጽእ ክቡር   ቅዱይ ቅብኢ ናርዶስ ዝመልአ ብልቃጥ ሒዛ ብምዃድ ኣብ እግሩ ብምፍሳስ ስለዝለኸየቶ እዩ። ረቡዕ ናይ መኣዛ መዓልቲ ዝተባህለት።

ረቡዕ ናይ ንብዓት መዓልቲ'ውን ትብሃል እያ፣ ምኽንያቱ ማርያም በእንተ እፍረት ኣብ ትሕቲ እግሪ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ተደፊኣ፣ ንኹሉ ሓጥያታ ይቕረ ክብለላ ብንብዓታ ንእግሩ ሓጺባቶ፣ ብጸጉራ'ውን ብንብዓታ ዝሓጸበቶ እግሩ ደሪዛቶ እያ። ማቴ.266-13 ማር.143-9 ዮሓ.128 ንሓጥያትካ ዘኪርካ ምብካይን ንገዛኣ ርእስካ ዝተፈተወ መሥዋእቲ ጌርካ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ምቅራብ ካብ ዘምሃረትና ማርያም እንተ እፍረት ተማሂርና ንብዓትና ንንስሓ ሂወት ክንጥቀሙሉ ይግባእ።
  •    ሓሙስ፦

ኣብ ቅድስቲ ቤተክርስቲያን ዝተፈላለዩ ስያሜ ዘለዋ ብዙሓት ተግባራት ዝተፈጸሙላ ዕለት እያ” ጸሎተ ሓሙስ። ናይ ዓለም መድኃኒት ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንሥጋ ዝተዋሃደ ኣምላኽ   ንምግላጽን ኣብነት ጸላእቱ መጺኦም ስጋብ ዝሕዝዎ ክጽልይ ዝሓደረሉ እዩሞ፣ ጸሎተ ሓሙስ ተባሂሉ። ማቴ.2636-46 ዮሓ.17

ሕጽበተ ሓሙስ ይብሃል፣- ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብዚ ዕለት ናይ ደቂ መዛሙርቱ ብፍጹም ትሕትና ትሕት ብምባል እግሮም ሓጺብዎም እዩ። እዚ ከኣ ዘርእየና ናይ ዓለም ኩሉ ሓጥያት ክሓጽብ ዝመጸ እዩ። ሎሚ'ውን  ነዚ ብምዝካር'ውን ካህናት  ብፍላይ  ሊቃነጳጳሳት መነኮሳት << ኣብ ማእከልና ተረኺብካ ናትናን ናይ  ህዝብናን ሓጥያት ሕጸብ ንሕና'ውን  ናትካ ኣብነት ኣይንርስዕን ኢና። ንሕና'ውን  ናይ ካልኦት እግሪ ንሓጽብ።>>  ክብሉ   ኣብ ቅድስቲ  ቤተክርስቲያን ንዝተረኽቡ ምእመናን እግሮም ብቆጽሊ ወይንን ኣውልዒን ጌሮም ይሓጽቡ። 

ናይ ምሥጢር መዓልቲውን ይብሃል እዩ። ካብ ሸውዓተ ምሥጢራተ ቤተክርስቲያን ምሥጢረ ቁርባን   ኣብዚ ዕለት እዚ ተመሥሪቱ  <<  ኪበልዑ ከለዉ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ እንጌራ ኣልዓለ ባሪኹ ቆሪሱ ነቶም ደቂ መዛሙርቲ ሂብዎም እዚ ሥጋይ እዩ ውሰዱ ብልዑ በሎም። ጽዋእ ኣልዒሉ ኣመስጊኑ ድማ ከምዚ እንዳበለ ሃቦም እዚ ምእንቲ ብዙሓት ንሕድገት ሓጥያት ዝፈስስ ዘሎ ናይ ሓዲሽ ኪዳን  ደመይ እዩ እሞ ካብዚ ኩልኹም ስተዩ። >>  ኢሉ ሂብዎም>> ማቴ.2626-30 ብምባል እሱ ምሳና ንሕና'ውን ምስኡ ሓደ ንዀነሉ ምሥጢር ካብ ጸላኢ ዲያብሎስ ሰዊሩ፣ ንደቂመዛሙርቱ ዝገለጸሉ መዓልቲ ስለዝዀነ እዚ ስያሜ ተዋሂብዎ። ኣብዚ ዕለት ክርስቲያን ኩሉ ብንስሓ ሂወት ተሓጺቡ ቅዱስ ሥጋኡን ክቡአ ደሙን ንምቅባል ይዳሎ።

ናይ ሓዲሽ ኪዳን ሓሙስ ይብሃል። ምኽንያቱ መሥዋእተ ኦሪት ማለት ብደም እንስሳ ዝቀርብ መሥዋእቲ ምብቅዑ ገሊጹ፣ ንድኅነተ ዓለም ንገዛእ ርእሱ ዝተፈተወ መሥዋእቲ ጌሩ ዘቅረበሉ   ዕለት ስለዝኾነ።<<  እዛ ጽዋእ እዚኣ እቲ ምእንታኹም ብዝፈስስ ዘሎ ደመይ እተገብረ ሓዲሽ ኪዳን እያ ካብዚ ስተዩ። >> ምባሉ ይፍለጥ። ሉቃ.2220 ኪዳን ማለት  ኣብ መንጎ ክልተ ወገናት  ዝግበር ውዕል፣ ስምምዕ፣ መሓላ ማለት  እዩ። በዚ መሰረት ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንኣዳምን ንኹሎም ደቁን ዘልዓለማዊ ቃልኪዳን ብናቱ ደም ዝፈጸመሉ ዕለት ስለዝዀነ ናይ ሓዲሽ ኪዳን ሓሙስ ተባሂሉ።

ናይ ነጻነት ሓሙስ። ባሮት ንሓጥያትን ዲያብሎስን ምብቅዑ፣ ነጻነትና ዝረኽብናሉ፣ ወዲ ሰብ ዝሰኣኖ ክብሪ ዳግማይ ምርካቡ ዝተረጋገጸሉ ዕለት  እዩ። ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ ናይ ወዲ ሰብ ነጻነት ክዛረብ ከሎ <<  ባርያስ ጐይትኡ ዝገብሮ ኣይፈልጥን እዩ እሞ ደጊም ባሮት ኣይብለኩም እየ። ፈተውተይ ኢለኩም ኣለኹ።>> ብምባል ዮሓ.1515 ካብ ባርነት ነጻ ዝወጻናሉ፣ ደቁ ዝተበሃልናሉ ዕለት ንዝክረሉ ስለዝዀነ ሊቓውንቲ ናይ ነጻነት ሓሙስ ኢሎማ። ነፍሲ ወከፍ ክርስቲያን ካብ ናይ ሓጥያት ባርነት ሪሒቁ፣ ምስ እግዚአብሔር ንተዓረቐሉ፣ ጽቡቅ ምግባር ሒዙ ጽቡቅ ስራሕ ብምስራሕ ሂወቱ ክመርሕ ይግብኦ። ደጊም ባሮት ኣይብለኩምን ተባሂልና ኢና።

 ናይ ጸሎት ሓሙስ ምሥጢራት ኣብ ብሉይ ኪዳን፣

ንፋሲካ ምድላዋት ተገርሉ  እዩ። ምድላዋቱ ኣብ ሰለስቲኦ ወንጌል ተመዝጊቡ ንረኽቦ። ማቴ.2617-30 ፋሲካ ማለት ምሕላፍ ማለት እዩ። እዚ ከኣ እስራኤላውያን ኣብ ምድረ ግብጺ ከለዉ እግዚአብሔር መልኣኹ ሊኢኹ ነፍሲ ወከፍ እስራኤላዊ ሓደ ገንሸል በጊዕ ክሓርድ እሞ ደም ናይታ ገንሸል በጊዕ ወሲዶም ንኽልቲኡ ቐዋሚ ልዳትን ነቲ ላዕለዋይ ልዳትን ክለኽይዎ  ንሙሴ ነጊርዎ። ሙሴ'ውን ንህዝቡ ነገረ። ኩሎም'ውን ከምዝተኣዘዝዎ ፈጸሙ። መቅሰፍት ካብ እግዚአብሔር ተኣዚዙ መልኣክ እግዚአብሔር ናይ ደም ምልክት ዘይብሉ ናይ ግብጻውያን ቤት ብሞተ በኲር ክሃርም ከሎ፣ ናይ በጊዕ ምልክት ዘለዎ ግና ናይ እስራኤላውያን ቤት ምልክት እንዳርኣየ ምሕላፉ ምምልካት እዩ።  ዘጻ.121-20 ካብዚ ብምብጓስ እስራኤላውያን በብዓመቱ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ኣብ መበል 14 መዓልቲ በጊዕ እንዳሓረዱ በዓል ፋሲካ የብዕሉ። ሃገርና'ውን  ኣቀዲማ ብሉይ ኪዳን ዝተቀበለት ሃገር ስለዝዀነት እዚ ተግባር ትፍጽሞ ኔራ እያ።

ኣብ ሓዲሽ ኪዳን'ውን ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ትንሣኤ ፋሲካ ተባሂሉ ዝተጸውዓሉ ምኽንያት ኣብዚ በዓለ ፋሲካ ንገዛእ ርእሱ ዝተፈተወ መሥዋእቲ ጌሩ ብምቅራብ ደሙ ስለዘፍሰሰልና እዩ። ብደሙ ምፍሳስ ሞተ በኩር ዝተባህለ ሞተ ነፍሲ ሪሒቅልና። << ገንሸል ፋሲካናውን ክርስቶስ እዩ።>> 1ይቆሮ.57 1ይጴጥ.118-19

ኣብዚ ዕለት ከም ሰሉስ መዓልቲ ኣብ ዮሓ.14-16 ዝርከብ ነዊሕ ትምህርቲ ንደቂመዛሙርቱ ኣምሂሩ እዩ።  ናይ ትምህርቲ ቀንዲ ክፍልታት ናይ ምሥጢረ ሥላሴ ሰለስትነት ሓድነትን። ምሥጢረ ሥጋዊ ( ናይ ኣምላኽ ሰብ ) ምሥጢረ  ትንሣኤ ሙታን (ናይ ዳግማይ ምጽኣቱ ነገር) እዩ። እዚኦም ትምህርቲ ብሰፊሕን ዓሚቅን ክንመሃሮም ከም ዝግበኣና  ንኸረድእ፣ ብተኣምራቱ ክገልጸሎም እንዳኸኣለ ብነዊሕ ትምህርቲ ንኽርድእዎ ጌርዎም እዩ። ደቂ መዛሙርቱ'ውን እሱ ከምህሮም ከሎ ዘይተረድኦም እንዳሓተቱ ተረዲእዎም። ምእመናን' ውን ኣብ ቅድስቲ ቤተክርስቲያን ተረኺብና ክንመሃር ዘይተረደኣና ድማ ሓቲትና ክንርዳእ ከምዝግብኣና ንመሃር። ኣብዚ ዕለት ምሸት ሰዓት ትሽዓተ (9) ንኣይሁድ ነፍሱ ኣሕሊፉ ዝተዋህበላ ዕለት እያ። ማቴ.2647-58
  •   ዓርቢ

ዓርቡ ሥቅለት ይብሃል። ናይ ዓለም ኩሉ መድኃኒት ዝዀነ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንኣዳምን ንኹሎም ደቁን በጃ ዀይኑ ኣብ መልዕልተ መስቀል ተሰቂሉ ምውዓሉ ንምዝካር እዩ። ማቴ.2735

ናይ ድኅነት ዓርቢ ትብሃል። እዚ ዘረደኣና ቅድሚ ሥቅለተ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ሓደ ሰብ እንተበዲሉ ተሰቂሉ ይመውት ኔሩ። ብናይ ሮማውያን ሕጊ መቕጽዒ መሰረት መስቀል ናይ ገበነኛታት መቕጽዒ እዩ ኔሩ። ኣብዚ ዕለት ናይ ገበነኛ መቕጽዒ ምልከት ዝነበረ መስቀል ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ብደሙ ቀዲሱ ናይ ምሕረት ምልክት ናይ ሕይወት ኣርማ፣ ንዲያብሎስ ንስዕረለኡ ዋልታና ስለዝገበሮ ብሞቱ ጽቡቅ ሕይወት ስለዝረኸብና ናይ ድኅነት ዓርቢ ተባሂላ።

በዓለ ትንሣኤ ንምኽባር ናይ ኢዮርሳሌም ዝኸዱ ምእመናን ኩሎም ናይ ዕለት ዓርቢ መከራኡ ብምዝካር ካብ ቤተ ጲላጦስ ስጋብ ጎልጎታ  መቃብረ  እግዚእነ  ኢየሱስ  ክርስቶስ  ዘሎ  ጉዕዞ  ይገብሩ።  ጉዕዞ  ዝግበረሉ  ዓሰርተ  ሓሙሽተ  ሕማማተ መስቀል ዝተፈጸመልን ቦታታት እየን።

ኣብዚ ዕለት ኣብ ቤተክርስቲያን ተረኺቦም ንመከራኡ ብምዝካርን ብምሕሳብን ክሰግዱ ዝዎዕሉ ከም ዘለዉ ኩሉ፣ ብኣንጻሩ ድማ ብስመ ክርስቲያን ተባሂልና ንጽዋዕ  ኣብ ካልእ ዘይጠቅም ቦታ ግዜና ንግዚያዊ ደስታ ንሓላፋይ ብኸንቱ ነጥፍኦ ኣይንሰኣነን ኢና። ከምዚ እንገብር ኩላትና ካብቲ ዝሓለፈ ጠባይና ተጣዒስና ክንምለስን ንመጻኢ ዘመንና ብንስሓ ምስ እግዚአብሔር  ተዓሪቅና ክንነብር ይግብኣና። ኣብ ዓመት ሓንሳብ ንረኽባ እዚኣ ዕለት ቀራንዮ ንሓስበላ፣ ነገረ መስቀሉ ንዝክረላ እምበር ናይ እግዚአብሔር ነገር ረሲዕና ጥራሕ ብዛዕባ ምድራዊ ናብራና ግዜና ከንጥፍእን ሓጥያት ክንሰርሕ ንውዕለሉ ግዜ ክኸውን ኣይግብኣን።
  •   ቀዳም:-

ቀዳም ስዑር። ኣብዚ  ዕለት ካብ ካልእ ግዜ ብዝተፈለየ መልክዕ ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ መከራ ብምሕሳብ ብጾም ተዘኪራ ስለትውዕል ቀዳም ስዑር ትብሃል።

ለምለም ቀዳም። ካህናት ንምእመና ልሙዕ ሰቲ ዝዕድሉሉ ዕለት ስለ ዝዀነ በዚ ቀዳም ለምለም ተባሂላ። ሰቲ ምእመናን ስጋብ ትንሣኤ ምሽት ኣብ ርእሶም ይኣስርዎ።

ቅዱስ ቀዳም ይብሃል። ቅዱስ ቀዳም ምስያሙ ቅዱስ እግዚአብሔር ብጥንተ ተፈጥሮ ንፍጥረታት ድሕሪ ምፍጣሩ ኣብዛ መዓልቲ ካብ ኩሉ ስርሑ ዘዕረፈ ክኸውን ከሎ። ኣብ ዘመነ ሓዲሽ ኪዳን ከኣ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ድኅነት ስርሑ ኩሉ ፈጺሙ ብሥጋኡ ኣብ ከርሰ መቃብር ክዓርፍ፣ ብነፍሱ ንሲኦል ጓሕጊሑ ጥርሓ ኣትሪፍዋ እዩ። ኣብኡ ዝነበሩ ነፍሳት ናብ ናይ  ዘልዓለም ዕረፍቲ ዘውረሶም ዕለት ስለዝዀነት ካብ ካልኦት ዕለታት ዝተፈለየት ማለት ቅዱስ ቀዳም ተባሂላ። ናይ ዕለታት ክብርን ስያመን ምፍላጥን ምርዳእን ሓቢሩ ኣብ ዕለታዊ ዝእዘዙ ሃይማኖታዊ ግዴታትን ክንትግብሮም ይግብኣና።

(For those who do not have Geez, please check this link) SOMUNE HIMAMAT
ያብጽሐነ ያብጽሕኩም በሰላም እግዚአብሔር በሰላም ኣሜን።


ወስብሐት ለእግዚኣብሔር 
ወለወላዲቱ ድንግል 
ወለመስቀሉ ክቡር











No comments:

Post a Comment