Monday, April 2, 2012

ተስፋ


በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን!!!

ተስፋ ካብ መዓሙቕ ጸልማት በሪ ብርሃን ከፊታ ንነፍስ ሰንከልከል ከይትብል ትሕልዋ። ተስፋ ጭንቀት ዘድረቓ ነፍሲ፡ ፈልፋሊ ማይ ህይወት ትኾና። ተስፋ ስራሕ መንፈስ ቅዱስ እያ፡ እቲ ጐይታ ዘተስፈወና መጸናነዒ መንፈስ። ብተስፋ ዝኣምን ካልእ ክጥምቶ ዘይክእል ይርኢ። ምስ ክርስቶስ ዝኾነ ይኹን ተስፋ ኣይቆርጽን እዩ። ምስ ድንቂ ዝኾነ ሰራሕ ኣምላኽ ከመይ ገይሩ ተስፋ ክቖርጽ፤ ኣምላኽ ንኹሉ ብዝመደቦን ብዝፈቐዶን እዩ ዝኾውን ዘሎን ዝነበረን ብድሕሪ ሕጅን ዝፍጸምን። ብዘይናቱ ፍቓድ ዝኾነት ትኹን ኣይትትግበርን። ንዝተዋረዱ ልዕል ዘብል ጐይታ ጐይቶት እዩ። ንሕና ምስሉን መልክዑን’ዶ ኣይኮናን፤ ስለዘፍቐረና ከኣ ድርዒ ዋልታና እዩ። ተስፋ ኣይንቆርጽን፡ ኣብ ቃል ክርስቶስ ተስፋና እናዛየደ ይኸይድ። ከመይ፤ እዚ ቃል ስለዝምግበና፡ “ስለ ምግፋዕ ጥቑዓትን ስለ ልቕሶ መሳኪንን ሕጂ ኽትንስእ፡ ነቲ ዚናፍቖውን ምድሓን ከምጽኣሉ እየ፡ ይብል እግዚኣብሔር” (መዝ 12፡5) ። እግዚኣብሔር ኣብ ዝትንስኣሉ ግዜ ኣብ ቅድሚኡ ደው ክብል ዝኽእል የለን። ክድንጒ ይኽእል ግዜ ክወስድ ይኽእል ግና ብዘይጥርጥር ኣብ መወዳእትኡ ክመጽእ እዩ። ዕራርቦ ጸሓይውን እንተኾነ ክመጽእ እዩ።

ተስፋ ዘለዎ ሰብ መንፈሱ ርጉእ እዩ። ከምቲ ዘማራይ ዳዊት ዝበሎ “ኪቃወመኒ ኢሉ እኳ ሰራዊት እንተ ዚሰፍር ልበይ ኣይፈርህን እዩ፡ ኲናትውን እንተ ዚለዐለኒ እምነት ኣሎኒ” (መዝ 27፡3) ። ፍጹም ዘይነቓነቕ፡ ከውሒ ዝኾነ እምነት። ዝሓዝኩዎ መን ድዩ፤ እግዚኣብሔር እዚ እዩ ቃላቱ ንዓይ ዝሃበኒ፡ “ንሱ ባዕሉ ኣይክሐድካን ዕሽሽውን ከቶ ኣይክብለካን እየ ኢሉ።” (ዕብ 13፡5) ቀጺሉውን “እግዚኣብሔር ኣምላኽካ ንሱ እዩ ምሳኻ ዚኸይድ እሞ ኣይጠልመካን ኣይሓድገካን እዩ” (ዘዳ 31፡6) ። ተስፋስ ኣሎኒ ቆጸራኡ ድማ ቀረባ እዩ። “ኣነ ምሳኻ እየ፡ እቲ ዝበልኩኻ ኽሳዕ ዝገብሮ ኣይሐድገካን እየ እሞ ኣብ እትኸዶ ኹሉ ኽሕልወካ እየ” (ዘፍ 28፡15) ። ሰበይቲ ‘ኳ ንፍረ ኸርሳ እንተረሰዐት “ምንም እኳ ንሳተን እንተ ረስዓ ኣነስ ኣይክርስዓክን እየ” (ኢሳ 49፡15) ። እዚ ዝመሰል ህይወት ተዋሂቡኒ ደኣ እምበር መዓስ ጽዒረሉ፤ ኩሉ ብሰናይ ፍቓዱ እምበር ኣበይ’ከ ኢለዮ። ምስጋና ንልኡል ኣምላኽና ይኹን። “ኹለን ጸጒሪ ርእስኹም እኳ ቑጹራት እየን” (ሉቃ 12፡7) ኢሉኒ ኸሎስ ንምንታይ ደኣ ዝጨነቕ፤ ዝኾነ እንተ ኾነ ዝመጸ እንተ መጸ ኣምላኽ ኣሎ፡ ኣምላኽ ይርኢ ኣሎ ይብል እቲ ንኣምላኽ ዝጽበ። ኩሉ ኣብ ቅድመይ ግብ ዝበለ ጸላማት ወላኳ እንተኾነ ኩሉ ክሓልፍ ኢለ ልበይ ዘይየርግእ። ንኹሉ መወዳእታ ስለዘለዎ እዚ ሽግር’ዚ ከሓልፍ እዩ።

ደቂ እግዚኣብሔር ቀጻሊ ኣብ ተስፋ ይነብሩ። ተስፋ ንዘይብሉ ነገር እንተ ኣጓነፎም ብትዕግስቲ ይጽበዩዎ። ኖ ኖ ኖ ኢሉ ይጅምረልካ እቲ ኣብ ኣምላኽ ዝተወከለ ሰብ፡ ኣምላኽ ደኣ እኮ ስርሑ እዩ ዝሰርሕ ዘሎ። ኣምላኽ በቲ ንሱ ዝፈልጦ መንገዲ እዩ ዝሰርሕ። በቲ ንሕና ንግምቶ ኣይኮነን። ኣብ መወዳእትኡ ጥበብ ኣምላኽ ከመይ ከም ዝኾነ ክትርኢ ኢኻ ይብለካ። ሕጉስ ከኣ ትረኽቦ።
ተስፋ ዘለዎም ኣብ ሓጐስ ይነብሩ። መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል “እንሆ ነቶም እተዐገሱ ብጹኣን እዮም” (ያዕ 5፡11) ። ኩልና ብተስፋ ሕጉሳት ንኹን!!!
ገለ ሰብ ይኣኽለኒ ሕጅስ ሙሟት ይሕሸኒ፡ አገልግሎተይ ጠጠው ከብል፡ ኢደይ ንሓጥያት ክህብ፡ እንታይ እሞ ክጠቕመኒ፡ ሃሊኸ፡ ጠፊአ፡ ኩሉ ዝነበረኒ ኣጥፊአዮ እየ ኢናበለ ዘምርር ሰብ ተስፋ ዝቆረጸ እዩ። ብኣንጻሩ ከኣ “እቶም ንእግዚኣብሔር ዚጽበዩ ግና ሓይሎም ይሕደስ። ከም ንስሪ በኽናፍ ይድይቡ፡ ይጐዩ እሞ ኣይሕለሉን፡ ይኸዱ እሞ ኣይደኽሙን” (ኢሳ 40፡31) ።

 ንዓና ዝተዋህበና ውህብቶ አኮ ፉሉይ እዩ። ፍጹም ኣይድርብየካን ሸለል’ውን ኣይብለካን እየ ካብ በለና ተስፋ ኣይንቆርጽን ኢና። ኢድና ኣይንህብን። ደቂ ኣምላኽ ኣይደኽሙን፡ ዋላ’ኳ እቲ ደጋዊ ስጋና እንተ ፈረሰ ውሽጣዊ ሓይልና መዓልታዊ ይሕደስ። ኣብ ደቂ ሰባት ዘይከኣል ኣብ ኣምላኽ ይከኣል እዩ፡ ብዘይጥርጥር ይኸውን ድማ።

 ምንጪ፡ ስብከት ካብ ዓረበኛ ልሳን ፖፕ ሺኖዳ 3ይ (H.H. Pope Shenouda III) ጸሎቱን በረኸቱን ምስ ኩልና ይኹን ።

(For those who do not have Geez, please try this link) HOPE
ወስብሓት ለእግዚኣብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር

ኣሜን!!!

No comments:

Post a Comment