Monday, April 2, 2012

ቤተ መቅደስ እግዚኣብሔር (6)



በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!

ቁጽሪኒቆዲሞስ መጋቢት ፳፫/ ሚያዝያ 1  (2004)/2012 .
ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ጾምና ይባርኸልና።

ናይዚ ሰሙን ጽሑፍ << ኣብ ዙርያ ቤተመቅደስ ዘለዉ ቅዱሳት ሥዕላት ብኽብሪ ምስጋድ። >> ትብል እያ። ሠናይ ንባብ።

 ካብ ዝሓለፈ ዝቐጸለ

. ኣብ ዙርያ ቤተመቅደስ ዘለዉ ቅዱሳት ሥዕላት ብኽብሪ ምስጋድ።

ኣብ ዙርያ ቤትመቅደስ ኅልናና ናብ እግዚአብሔር ዝመላለሱ ዝተፈላለዩ ቅዱሳት ሥዕላት ኣለዉ። እዚኦም ቅዱሳት ሥዕላት እንተ ኣኽቢርናዮም ወናኒ ናይቲ ሥዕሊ ብምሕሳብ ዝግባእ ክብሪ እንተሂብናዮም ካብ እግዚአብሔርን ቅዱሳኑን ካብ ቅድስቲ ቤተክርስቲያን በረከት ንቅበል።

1. ቅዱሳት ሥዕላት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ

ቅዱሳት ሥዕላት ኣብ ቤተ መቅደስ ክስኣሉ ክቅመጡን ክንሰግደሎም ዝፈቀደ እግዚአብሔር እዩ።

ዘጻ.2519 <<ሓደ ኪሩቤል ኣብ ሓደ ወሰን ካልኣይ ኪሩቤል ከኣ ኣብቲ ኻልኣይ ወሰን ግበሮም ነቶም ኪሩቤል ምስቲ  መኽደን መተዓረቒ ሓደ ኾይኑ ብኽልተ ወሰኑ ግበርዎም። እቶም ኪሩቤል ከኣ ንሓድሕዶም ገጽ ንገጽ መሊሶም ኣኽናፎም ልዕል ኣቢሎም ይዘርግሑ። ነቲ መኽደን መተዓረቒ ድማ በኽናፎም ይኸውልዎ ገጽ እቶም ኪሩቤል ናብቲ መኽደን መተዓረቒ የብል። >> ሊቀ ነብያት ሙሴ ኣብ ልዕሊ  መሕደሪ ታቦት  መኽደን መተዓረቒ  ንኽሰርሕ ዝተኣዘዘ ናይ ኪሩቤል ( ናይ ቅዱሳን መልኣኽቲ) ሥዕሊ እዩ። ህዝበ እስራኤል ኣብ ፊት ቅድሚ ታቦቱ ዘለዎ ድንኳን ክሰግዱ እግዚአብሔር  ኣብቲ መኽደን መተዓረቒ  ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ልዕሊ ታቦት ምስክር ዘለዎ ክልተ ኣሳእል ኪሩቤል ተገሊጹ የዘራርቦ ኔሩ።

<< ኣቡኡ ድማ ንዓኻ  ክግለጸልካ እየ ካብቲ መኽደን መተዓረቒ ካብ መንጎ እቶም ኣብ ልዕሊ ታቦት ምስክር ዘለዉ ኽልተ ኪሩቤል እቲ ንደቂ እስራኤል ኢለ ዝእዝዘካ ኹሉ ኽነግረካ እየ። >>   ዘጻ.2522
<<     ኣብ ቅድስተ ቅዱሳን ኣብቲ ቤት ራእይ ዓሰርተ እመት ዝቑሞቶም ክልተ ኪሩቤል ካብኦም ኣውሊዕ ገበረ። ……    ነቶም ኪሩቤል'ውን ድማ ብወርቂ ለበጦም። >> 1ይነገ.623

1ይነገ.629  <<ኣብ ኩሉ መንደቕ እቲ ቤት ብዙርያ ድማ ብውሽጥን ብግዳምን ናይ ቅርጺ ምስልታት ኪሩቤልን ስየን ክፋት ዕንባባታትን ቀረጸ።>>

ንጉሥ ሰለሙን ቤተ መቅደስ ክሰርሕ ኣብ ውሽጥን ደገን ናይ ቅዱሳን መልኣኽቲ ሥዕሊ ከምዘቅረጸ ኣብ ወርቒ ከምዝለበጦምን ከምዘጌጾምን ንርኢ። እቲ ህዝቢ ናብ ቤተመቅደስ እግዚአብሔር ክሰግድ ከሎ ኣብቲ ቤተመቅደስ ዘለዉ ቅዱሳን ሥዕላትውን  ናይ ጸጋ ስግደት ከምዝሰገደውን ንርኢ።

<<ናይ እስራኤል ኣምላክ እግዚአብሔር ኣብ ልዕሊ ኪሩቤል  ብኽብሪ ተገሊጹ እዩ።>> ብምባል እግዚአብሔር  ብቅዱሳን ሥዕላቱ ኣቢሉ ክብሩ ይገልጽ ከምዝነበረ ተገሊጹ እዩ።

2. <<ዝተቐርጸ ምስሊ ንዓኻ ኣይትግበር። >> ዝበል እንዳንበብና ከመይ ንቅዱሳን ሥዕላት ንሰግድ?

<<ዝተቐርጸ ምስሊ ንዓኻ ኣይትግበር። >> ዝተባህለ << ኣህዛብ ንዘቆምዎ ጣዖት ኣይትስገድ >> ንምባል እዩ እምበር ንዝተቐደሰ ሥዕለ ኣድኅኖ ናይ ጸጋ ስግደት ኣይትስገድ ማለት ኣይኮነን። ቅዱሳት ሥዕላት ኣብ ቤት መቅደስ ክሰኣሉ ዝገብረ እግዚአብሔር እዩ። እዚኦም ሥዕለ ኣድኅኖ ኣብ ቤተመቅደሱ ክሰኣሉ ዝገበረ እግዚአብሔር እዩ። እዚኦም ሥዕለ ኣድኅኖ ከም ጣዖት ዝቁጸሩ እንተኾይኖም ሊቐ ነብያት ሙሴ    ዘጻ.2522  ጠቢበ  ንጉሥ ሰለሙን 1ይነገ.623-28  ኣብ ቤተ  መቅደሱ  ውሽጢ ከቅርጾም  ከሎ  እግዚአብሔርዶ  ስቅ ኣይምበለን። ክብሩ ኣብ ልዕሊ ቅዱሳን ሥዕላትውን ኣይምገለጸን ኔሩ። እግዚአብሔር ኣምላኽና ፍቓዱ ስለ ዝኾነ ኣዚዝዎም። ክብሩ'ውን ገሊጽሎም።

ስለዚ ቅዱሳን ሥዕላት ምስቶም ኣይትስገድሎም ካብ ዝተባህሉ ዝድመር ኣይኮነን።   ዝተቀረጹ ምስሊ (ምስ ጣዖታት) ምስ ቅዱሳን ሥዕላት ርክብ ዝበሃል የብሎምን።

3. ዘይዛረቡ ዘይንቀሳቀሱ ሥዕላት ከመይ ከድኅኑ ወይ ክፍውሱ ይኽእሉ?

እግዚአብሔር ንሰባት ንምድኃን እንካን ኣብ ቤቱ ዝተሳእሉ ቅዱሳን ሥዕላት ካልኦት ግዑዛን ፍጥረታት ክጥቐመሎም ይኽእል እዩ።

ህዝበ እስራኤል ኣብ በረኻ ክጎዓዙ ከለዉ ብበደሎም ምኽንያት መቕሰፍቲ ምስ ረኸቦም ንሊቐ ነብያት ሙሴ  <<  ምስ እግዚአብሔር ዕረቐና፣ ለምለንልና፣ >>  ኢሎሞ። ሙሴ'ውን ንእግዚአብሔር ለሚንሎም። እግዚአብሔር ናይ ሙሴ ልመና ሰሚዑ ንሙሴ <<  ሙሴ ምእንቲ እቲ ህዝቢ ለመነ እግዚአብሔር ከኣ ንሙሴ ዚነድድ ተመን ንዓኻ ግበር ኣብ ባላ ድማ ስቐሎ ኪኸውን ከኣ እዩ፣ እተነኽሰ ዘበለ ናብኡ እንተ ጠመተ ኪሓዊ እዩ። ሙሴ ኸኣ ካብ ኣስራዚ ተመን ንሰብ እንተ ነኸሰ ናብቲ ተመን ኣስራዚ ምስ ዚጥመት ይሓዊ ነበረ።>> ዘኁ.218-9 ኢሉ እግዚአብሔር ኣዚዝዎ። ሙሴ'ውን ከምዝተኣዘዞ ገበረ ህዝበ እስራኤል ካብቲ ዝተኣዘዘሎም መቅሰፍቲ ደሓኑ።

ህዝበ እስራኤል ካብ ግብጺ ወጺኦም ናብ ከንኣን ክጎዓዙ ከለዉ ኣብ መገዶም ባሕረ ኤርትራ ክሳገሩ ነበሮም   እቲ ህዝቢ ካብ ፍርሕት ዝተላዕለ ኣግሮምረመ፣ ብድሕሪት ካብ ዝመጾም ናይ ፈርኦን ሰራዊት  ፈርሑ። ኣብቲ እዋን ሙሴ ናብ እግዚአብሔር ምስ ጸለየ  << እግዚአብሔር ድማ ንሙሴ በሎ ስለምንታይ ናባይ እትምህለል ንደቂ እስራኤል ኪጎዓዙ ንገሮም። ንስኻ ድማ በትርኻ ኣልዒልካ ኢድካ ናብ ልዕሊ ባሕሪ ዘርግሕ እሞ ምቐሎ፣ ደቒ እስራኤል ከኣ ናብ ማእከል ባሕሪ ናብቲ ንቑጽ ይእተዉ። >> ዘጻ.1415 እስራኤላውያን ብእምነት ባሕረ ኤርትራ ንቑጽ መሬት ኮይንሎም ተሳገሩ።

ሙሴ ብዝተሰቅለ ናይ ኣስራዚ ተመን ህዝበ እስራኤል ካብ መቕሰፍቲ ካብ ደኃኑ፣ ኣብ ኢድ ሙሴ ብዝነበረት ግዑዝ በትሪ ባሕሪ ኤርትራ ኣብ ክልተ ካብ ተኸፍለ። ኣብ ውሽጢ ቤተመቅደስ ዘለዉ ቅዱሳን ሥዕላት ካብ በትርን ብኣምሳል ተመን ዝተሰርሐ ናይ ኣስራዚ ተመን ንላዕሊ ክብሪ ከምዘለዎም ከነስተውዕል ይግበኣና። ብኣስራዚ ተመንም ብናይ ሙሴ በትሪ ተኣምራት ዝገበረ እግዚአብሔር ኣብ ልዕሊ ቅዱሳን ሥዕላት ሓዲሩ ዘደንቅ ስርሑ ንኸይገልጽ ዝኽልክሎ መን እዩ።

<<ኣምላኽ ብኢድ ቅዱስ ጳውሎስ ብዙሕ በይኑ ዝኾነ ተኣምራት ገበረ። መኣረምያኡ ወይስ ክዳኑ ካብ ዝባኑ ወሲዶም ኣብቶም ሕሙማት የንብሩ እሞ ሕማሞም ይሓድጎም ርኹሳት መናፍስቲ'ውን ካባታቶም ይወጹ ነበሩ። >> .ሓዋ.1911-12 ቅዱስ ጳውሎስ ብዝለበሶ ልብሲ ብዙሓት ኣጋንንቲ ወጺኦም እዮም።
ቅዱስ ጴጥሮስውን ብጽላሎቱ ይፍውስ ኔሩ እዩ።  << ቅዱስ ጴጥሮስ ኪሓልፍ  ከሎ ጽላሎቱ  ኣብ ገሊኦም ምእንቲ ኺወድቕ ኢሎም።

ንሕሙማት ኣብ ዓራትን ኣብ ቃሬዛን ገይሮም ተሰኪሞም ናብ ኣደባባይ የውጽእዎም ነበሩ >> .ሓዋ.515 እሞ ድኣ ብናይ ቅዱሳን ሓዋርያት ቁራጽ ክዳንን ብጽላሎቶምን ከምዚ ዝበለ ተኣምራት ካብ ዝተገብረ ኣብ ውሽጢ ቤተመቅደስ ዝተሳእሉ ቅዱሳን ሥዕላት ተኣምራት እንተሰርሑ ከመይ ይደንቀናን ይገርመናንስለዚ ናይ እግዚአብሔር ኃይልን ጥበብን ማዕረ ክንደይ ረቂቕ ምዃኑ ኣብዚ'ውን ንርዳእ ኢና።

ቅድስቲ  ቤተክርስቲያና  ኣምላኽና እግዚአብሔር ብዝኣዘዘና መሰረት ናይ ኣምልኾ ስግደት ንዕኡ ንፈጣሪና ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንሰግድ ዘወትር ከምቲ ኣብ ጸሎትና ንሰግድ ንአብ ለወልድ ለመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ስግደተ ንብል። ናይ ኣምልኾ ስግደት እዩ። እዚ ከኣ ፈጣሪና መጋቢና ሓላዊና ስለዝኾነን ካብ ዘይምንባር ናብ ምንባር ዘምጸኣና፣ ስጋብ ኣብ መስቀል ቀራንዮ ስለና ኢሉ ደሙን ሥጋኡን ዘፍሰሰልና ፍቕሩ ብተግባር ዝገለጸልና ኣምላኽ ስለዝኾነ ንዑኡ ጥራሕ ናይ ኣምላኾ ስግደት ንሰግድ።

ንቅድስቲ ቤተክርስቲያን ንቅዱሳን ሥዕላት ከኣ ናይ ጸጋ ስግደት ትሰግደሎምን ተኽብሮምን።


ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር በረከቱን ረዲኤቱን የብዝሓልና። ወላዲተ አምላክ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ብኣማላድነታ ኣይትፈለየና።

For those who do not have Geez, please check this PDF link) BETE MEKDES EGZIABHER (6)

ወስብሐት ለእግዚአብሔር።
ወለወላዲቱ ድንግል።
ወለመስቀሉ ክቡር!

No comments:

Post a Comment